“ቚጡዓት ሰባት ንድኻም ልቢ ዝተቓልዑ’ዮም” መጽናዕቲ

ኣብ መዓልታዊ መነባብሮኦም ብቐጻሊ ዝሓርቁን ዘንጸርጽሩን ሰባት ንድኻም ልቢ ዝተቓልዑ ምዃኖም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ብመሰረት ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ብዝኾነ ጉዳይ ምሒር ዝተቖጠዐ ሰብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ምልክታት ድኻም ልቢ ክረኣዮ ይኽእል’ዩ። ሕርቃን ወትሩ ወሰኽ ጸቕጢ ደም ስለዘስዕብ፡ ንልቢ’ውን ከጥቅዓ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ’ዮም ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ዘነጽሩ።

ድሕሪ ሕርቃን ኣብ ዘለዋ ክልተ ሰዓታት፡ ሓደ ሰብ ግዳይ ብድኻም ልቢ ክጥቃዕ ዘሎ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክበዝሕ እንከሎ፡ ናይ ወቕዒ ስግኣታት ድማ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ምዃኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ተመልኪቱ ኣሎ። ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሃርቫርድ ኣብ ኣሽሓት ሰባት ድሕሪ ዘካየድዎ መጽናዕቲ’ዮም ነቲ ኣብ መንጎ ሕርቃንን ድኻም ልብን ምትእስሳር ከምዘሎ ዘነጽር መርትዖታት ዝተረኽቡ። ብገምጋም መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ ዘሕርቕ ፍጻመታት ዘጋጠሞም ሰባት ካብቶም ዘይሓርቁ ሰባት ብዝተዓጻጸፈ ግዜ ብድኻም ልቢ ክጥቅዑን ብፍላይ ኣቐዲሞም ብድኻም ልቢ ዝተጠቕዑ ምስዝኾኑ ድማ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ክስእኑን ከምዝኽእሉን እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ቁጥዐን ሕርቃንን ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ጥዕናዊ ሃስያ ከምዘለዎ’ኳ እንተተረጋገጸ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከይኑ ግን ብንጹር ዝተፈልጠ ከምዘይኮነ እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ ንነዊሕ እዋን ብጸቕጢ ዝሳቐዩ ሰባት ብተመሳሳሊ ብሕማም ልቢ ክጥቅዑ ዘሎ ተኽእሎ ዝዓበየ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዝገልጹ። ሓደ ሰብ ሕርቃን ይኹን ኣእምራዊ ጸቕጢ ንምፍኳስ ዝጠቕሙ ሜላታት ፈሊጡ ክትግብሮ እንተኽኢሉ ካብ ሓደጋታት ድኻም ልቢ ክድሕን ከምዝኽእል’ዮም ክኢላታት ዘረድኡ። ብቐጻሊ ጸቕጥን ሕርቃንን ዝጥቅዑ ሰባት ድማ ዝኸበደ ሳዕቤን ከይገጠሞም ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ክኸዱ ከምዝግባእ’ዮም እቶም ተመራመርቲ ዝመኽሩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x