ፍልልይ ኮኾብን ፕላኔትን

ኣብ ግዜ ምሸት ንሰማይ ኣንቃሪርና እንተጠሚትና ክሳብ 2 ሽሕ ዝዀኑ ከዋኽብቲ ብዓይንና ክንርኢ ንኽእል። ኣብ ሰማያት ምድሪ ብዓይኒ ክርኣዩ ዝኽእሉ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 6 ሽሕ ዝብዝሖም ከዋኽብቲ ኣለዉ። ‘ተለስኮፕ’ ዝተባህለ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ ነገራት ኣቕሪቡ ዘርኢ መሳርሒ እንተተጠቒምና ግን ሚልዮናት ከዋኽብቲ ክንርኢ ንኽእል። ኮኾብ ኣዝዩ ገዚፍ ናይ ኩዑሶ ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ህዋ ካብን ናብን ይወናጨፍ። ኩሎም ከዋኽብቲ ብውዑያት ጋዛት ዝቖሙ’ዮም። ሃይድሮጅንን (H) ሄልዩምን (He) ዝተባህሉ ጋዛት ከኣ የቑሙዎም። ከዋኽብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ብርሃን ኣለዎም። ጸሓይ ሓንቲ ካብ ከዋኽብቲ’ያ። ፕላኔታት ግን ካብ ከዋኽብቲ ዝተፈልዩ እዮም። ካብ ከዋኽብቲ ኣዝዮም ይንእሱን ይደርቁን። ናይ ገዛእ ርእሶም ብርሃን የብሎምን። ምኽንያቱ ከም ናይ ከዋኽብቲ ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ውሽጦም የብሎምን። ኣብ ጥቓኦም ናይ ዘሎ ኮኾብ ብርሃን ተጠቒሞም’ዮም ዘንጸባርቑ። እዛ ንነብረላ ምድሪ ሓንቲ ካብ ፕለኔታት’ያ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x