ን ሓደ ዓመት ብነጻ ዝተመገበ ቻይናዊ

ሓደ ቻይናዊ፡ ሓንቲ ናይ ቀዳማይ ደርቢ (first class) ናይ ጉዕዞ ትኬት ብምግዛእ፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት መግቢ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣታሊሉ ድሕሪ ምምጋቡ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተታሕዘ፡ ፎክስኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ዛንታ ከምዚ እዩ። ወዮ ቻይናዊ ካብ መንገዲ ኣየር ምብራቓዊ ቻይና ናይ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ጉዕዙ ትኬት ይገዝእ። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ትኬቱ ንስታፍ ላውንጅ ብምርኣይ ከም ዝኾነ ካልእ ናይ ቀዳማይ ደርቢ ተጓዓዛይ መግቡ ይበልዕ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ክንዲ ናብ ነፋሪት ዝስቀል፡ ኣብቲ ትኬቱ ዘሎ ናይ ንቕሎ ዕለት፡ ናብ ካልእ እዋን የቐይሮ። ኣቐዪርዎ ምስ መጸ ከኣ ይምገብ። ከምዚ እናበለ ምስሑ በበሊዑ መዓልቲ ንቕሎኡ ብሓንቲ ናይ ኣየር ትኬት፡ ዓመት ዝተመገበ ቻይናዊ ተታሒዙ እናቐየረ ዓመት ተዓንጊሉ። መዓልቲ ጉዕዞኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓደ ዓመት 300 ግዜ ተቐያይሩ። መንገዲ ኣየር ምብራቓዊ ቻይና ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ጀሚሩ። እቲ ሰብ ክፍለጥን ክተሓዝን ክኢሉ። ትኬቱ ቅድሚ ዝወድቀሉ መዓልቲ ምኽኣሉ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ከይዱ ስለዘሰረዞ ከኣ ብምሉኡ እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ትኬት ተመሊስሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉ’ቲ ታሪኽ በቲ መንገዲ ኣየር ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ዘገርም ግን፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ሕጊ ከቕጽዖ ዝኽእል ዓንቀጽ ስለዘየለ፡ ብመጠንቀቕታ ጥራይ እዩ ተሓሊፉ። ኣፈኛ ናይቲ መንገዲ ኣየር “ንኸምኡ ዓይነት ሳሕቲ ዘጋጥም ነገራት፡ እቲ መንገዲ ኣየር ክቆጻጸሮ ኣይክእልን እዩ” ክትብል ገሊጻ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x