ኣገረምቲ ሓቅታት

– ናብ ምድሪ ናብ ዝቐረበት ኮኾብ ንምብጻሕ (ብዘመናዊ መሳርሒ ተሓጊዝካ) ልዕሊ 70,000 ዓመታት የድሊ።
– ናይ ዓለምና ዝበለጸ ፈላስፋ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልበርት ኣንስታይን ምሉእ ሂወቱ ካልሲ ወድዩ ኣይፈልጥን።
– ስገን ክብደት ናይ ኣዒንታ ካብ ክብደት ናይ ኣእምሮኣ ይበልጽ።
– ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ምሉእ ሂወቱ 1,460 ግዜ ይሓልም።
– ኣብ ሃገረ ካናዳ ኣብ መላእ ሰሙን እታ ዝበለጸት ናይ ስራሕ መዓልቲ ብምባል እትፍለጥ መዓልቲ ሰሉስ’ያ።
– ግራሃም በል ተሌፎን ድሕሪ ምምሃዙ፣ ኣብ ቀዳማይ ወርሑ ዝሸጦ ቁጽሪ ተሌፎን ሽዱሽተ ጥራሕ’ዩ።
– ዓኼሎት (ብጸጋም ዝጽሕፉ) ሰባት ካብ ብየማኖም ዝጽሕፎ ሰባት ማእከላይ ዕምሪ ዕድመኦም ብሸውዓተ ዓመታት ዝወሓደ’ዩ።
– ኣብ መዝገበ ቃላት እንግሊዝኛ እታ ዝበዝሐ ትርጉም ዘለዎ ቃል ‘set’ እያ።
– ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ጸጉርና ናይ 3 ሚሊሜተር ዕቤት የርኢ።
– ኣብ ነፍስወከፍ ህርመት ልቢ ርብዒ ካብ ስርሓት ልቢ ብመጻብቦ ኲሊትና ይሓልፍ
– ኣብ ቆርበትና ዝርከቡ ዋህዮታት መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ግዜ ለይቲ ብብዝሒ ይፋረዩ።
– ሓደ እኹል ወድሰብ ብዘይ መግቢ ክጸንሓሉ ዝኽእል እዋናት ን18 መዓልታት’ዩ።
– ሓደ እኹል ወድሰብ ዓመታዊ ዘህልኾ / ዝበልዖ/ መግቢ ልዕሊ 5 ኪሎ ግራም ይኸውን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x