ብዛዕባ ቅንኢ እንታይ ትፈልጡ?

ኩላትና ከም ንፈልጦ ክልተ ዓይነት ቅንኢ ኣሎ:: እቲ ሓደ  ቅዱስ ቅንኢ ክኸውን ከሎ አቲ ሓደ ግን ሓደገኛ ዝኾነ ካብ “ሕስድና” ዝተበገሰ ርኹስ ቅንኢ ኢዩ::

“ዘይቀንእ ኣይወለድ” ዝብል ምስላ ኣቦታት ዘዘኻር ዓይነት ቅንኢ ቅዱስ ቅንኢ ይበሃል። እዚ ዓይነት ቅንኢ ንዝተመሃረ፡ ንዝነፍዐ፡ ንተባዕ፡ ንመስተወዓልን ገባሪ ሰናይን ሰብ ብምርኣይ ንዕኡ ንምምሳል ወይ ከምኡ ንምዃን ምምናይ ዘስዕቦ ቅንኢ ይውክል። እዚ ዓይነት ቅንኢ ንምፍዋሱ ድማ ኣበርቲዕካ ብምዕያይን ብምስራሕን ክፍወስ ይኽእል። ብተወሳኺ እዚ ዓይነት ቅንኢ ኣብ ምዕባለ ህይወት ሓጋዚ ምዃኑ ምሁራን ይገልጹ። ምክንያቱ: ካብቲ ቅዱስ ቅንኢ ዝተበገሰ ንነብሱ ከማዕብል ን ከመሓይሽን  ትርኢ። ቅዱስ ቅንኢ ዘለዎ ሰብ ነቲ ዝቐንኣሉ ሰብ ረኺብዎ ዘሎ ዓወት ክለግስ ኣይተምነየሉን

ካብኡ ሓሊፉ ግን ዝኾነ ሰብ “ንምንታይ ንሱ/ንሳ ረኺባ ኣነ ዘይረኸብኩ” ወይ “እዚ ረኺብዎ/ረኺባቶ ዘሎ/ዘላ ዓወት እንተዝለግስ/እንተዝባላሾ መታን ማዕረ ክንከውን” ዝብል ዓይነት ሓደገኛ ኣተሓሳስባ እንተለዎ; እቲ ሰብ ከይተረደኦ ንነብሱ ኢዩ ዝጎድእ ዘሎ። ምክንያቱ; ካብቲ ዝተዓወተ ሰብ ተማሂሩ; ጽዒሩ (ግዜ ወን እንተወሰደ ብዘየገድስ) ካብኡ ንላዕሊ ክኸወን እናኸኣለ; ከይተረደኦ ኣድህቦኡ ናብ ኣዕናዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከም ዘድህብ ይገብር ኣሎ። ን ድረይደን ዝተባህለ ተመራማሪ፡ ንቅንኢ ሕስድና ፡ “ናይ መንፈስና ሕማም ወይቦ” ክብል ገሊጽዎ። ቅንኢ ሃሳዪን ሓደገኛን ስሚዒት’ዩ። ብጻይና ወይ መወዳድርትና ካባና ዝያዳ ሰጒሙ ወይ ቀሲኑ ክንርእዮ ካብ ዘይምድላይ ዝብገስ ፍርሒ ምዃኑ ድማ ተመራመርቲ ስነልቦና ይሕብሩ። መብዛሕትና እቲ ዘቕናኣና ነገር ከም ምስጢር ኣብ ውሽጥና ስለ እንሕዞ ጸቕጢ ክፈጥረልና ይርአ። ገለ ቀናኣት ሰባት’ውን ኣቑሑ ናይ ምዕናው ጠባይ ዘርእዩ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ብዘይ ኣገባብ መኪና ክንዝውርን ንሰባት ብቐጻሊ ከነናሽውን ከነጥቅዕን ንረአ።

እዚ ኣዝዩ ሓደገኛን ንኣእምሮ ቀታሊ ዝኾነ ዓይነት ቅንኢ’ዩ። ርኹስ ቅንኢ ኣብ ኣእምሮ ዝቐንአ ዝሰፍር ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ ነቲ ዝቐንኣካሉ ሰብ ንምጉዳእን ዑቑር ብቕዓቱ ንምድኻምን ዝሕለን ናብ ሕማቕ ኣሉታዊ ስምዒት ዝደፋፋእ ፍጻመ ስምዒት’ዩ። በዚ ሕማም (ርኹስ
ቅንኢ) ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ኣዝዮም ሓደገኛታት ይኾኑ።

1. ሕጽረት ወይ ስእነት ነብሰ ምትእምማን

2. ድኹም ነብሰ ግንዛበ

3. ፍርሒ

4. ዘይርጉእነት

ብኸመይ ከነወገዶ ንኽእል? ቅንኢ ኣብቲ ዝቐንአን ኣብቲ ግዳይን (ዝተቐንኦ) ሰብ ዘውርዶ ሃስያ ተዛማድን ማዕረን ምዃኑ’ዮም ተመራመርቲ ስነ-ልቦና ዝሰማምዑ። ቅንኢ ከተወግዶ ቀሊል’ኳ እንተዘይኰነ፡ ብቐንዱ ኣብ ደረጃ ምዕባለን ኣተሓሳስባን ናይቲ ቐናእ ሰብ’ዩ ዝምርኰስ። ንምውጋዱ ካብ ክኢላታት ዝወሃበና ምኽሪ ኸኣ እዚ ዝስዕብ እዩ፡-

• ሰባት ክዕወቱ ከለዉ ትሓርቕ እንከለኻ: መልእኽቲ ኢዩ ነዓኻ: እቲ መልእኽቲ ድማ “ዕላማ ይሃልኻ ኣብ ሂወትካ” ኢዩ:: ዕላማ እንተለካ: ሓደ መዓልቲ ዕላማኻ ከም ትወቅዕ ስለ ትተኣማመን ብናይ ሰብ ዓወት መሊስካ ተተባባዕ እምበር ኣይትሓርቕን:: ስለዚ ሓደ ሰብ ክዕወት ክትሪኦ ከለኻ ዕላማኡ ሃሪሙ ማለትዩ:: ንስኻ ወን ዕላማኻ ከትሃርም ፈትን::

• ናይ አፍቃሪ ዘይምርካብ ቅንኢ ምስ ዝኸውን ንነብስኻ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ሕተታ “ኣነ ከምቲ ኣብ ኣፍቃርየይ ክረኽቦ ዝደሊ ነገራት/ጠባያት ይውንን ዶ?”: እቲ ትደልዮ ጠባያት ካብ ኣፍቃሪኻ ቅድሚ ምጽባይካ እቲ ደሊኻዮ ዘለኻ ኣብ ነብስኻ ክትሪኦ ይምረጽ::

• ምዝንጋዕ: ከምዚ ከጋጥመካ ከሎ ንበይንኻ ኮፍ ኢልካ ኣይትሕሰብ; ተዘናጋዕ ምስ የዕሩኽትካ/ምሓዙትኪ ተራኸብ

• ነብስና ቀጻሊ ኣብ ስራሕ ከም እትጽመድ ምግባር; ኮፍ ዘይምፍታው::

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x