ሞናሊዛ

ንጽባቐ ጓል ንምድናቕ ‘ሞናሊዛ’ ክበሃል ንሰምዕ ኢና። ሞናሊዛ ግን ጽብቕቲ ጓል ዘይኮነትስ ብዓይኒ ሃየስትን ኣፍቀርትን ቅብኣ ‘ብልጽቲ ቅብኣ’ ዝተሰመየት እያ። እዛ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር እትርከብ ቅብኣ ሞናሊዛ ብኢጣልያዊ ውሩይ ቀብኣይ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝተሰኣለት’ያ። ብመንግስቲ ፈረንሳ እትውንን ቅብኣ ሞናሊዛ ንኹሉ ተዓዛቢኣ ዘደንቕ እታ ‘ሚስጥራዊ ፍሽኽታ’ ዝመለለዪኣ ሰበይቲ’ያ። ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ነዛ ስእሊ ክስእላ እንከሎ ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘይገበረላን ብዙሕ ግምት ከምዘይሃባን’ዩ ዝንገር። እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ እዛ ቅብኣ ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ እንተትሽየጥ ኣብ ዓለም እታ ዝኸበረት ቅብኣ ጥራይ ዘይኮነስ እታ ዝኸበረት ስነጥበባዊ ስረሓት ክትከውን ከምእትኽእል ይግለጽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x