ኮካን ኮላን

ኮካ ኣብ ኣህጉር ደቡብ ኣመሪካ ብብዝሒ ንዝርከቡ ዓይነት ቈጥቋጥ ዝተዋህበ ስም ኢዩ። ተቐማጦ እዚ ኣህጉር ብሓፈሻ፣ ተቐማጦ ሃገራት ፔሩን ቦሊቪያን ድማ ብፍላይ ኣቑጽልቶም ከም መነቓቕሒ ክጥቀሙሉ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። እዞም ተቐማጦ ነዚ ናይ ኮኬይንን ካልኦት ኣነቓቓሕቲ ባእታታትን ዝርከቦ ኣቚጽልቲ ኮካ ኣንቂጾም ምስ ካልእ ነገራት ከም ጥሑን ዕንጨይትን ካልእን ሓዊሶም ብምሕያኽ ኣእምሮኦም የነቓቕሑ’ዮም። ገረብ ኮካ ካብ 1 ክሳብ 2 ሜትሮ ዝበጽሕ ቁመት ክህልዎ ከሎ ትኽ ዝበለን ምስ ቈጽሊ ሻሂ ዝመሳሰሉን ኣቚጽልቲ ኣለዎ። ኣብ ኣቚጽልቲ ኮካ ዝርከብ መጠን ኮኬይን ኣዝዩ ውሑድ ኮይኑ ዓቐን ትሕዝትኡ ካብ 0.25 ኮካን ኮላን ሚእታዊት ክሳብ 0.77 ሚእታዊት ኣቢሉ ይኸውን። እዚ ማለት ቆጽሊ ኮካ ምሕያኽ ብዘይካ እቲ ዝህቦ ግዝያዊ ምንቕቓሕ ንሕማቕ ሳዕቤናት ናይቲ ኣወላፍን ኣደንዛዝን ዝኾነ ሓደገኛ ሓሽሽ ኮኬይን ዘቃልዕ ኣይኮነን። ህላወ ኮካ ኣብ ፍርያት ልስሉስ መስተ ኮካ ኮላ ካብ 1885 ዝፈለመ ኮይኑ ኮኬይን ካብ ቆጽሊ ኮካ ፈጺምካ ኣሊኻ ካብ ኮኬይን ናጻ ዝኾነ ፍርያት ኮካ ኮላ ምቕራብ ግን ካብ 1929 ኢዩ ጀሚሩ።

ህላወ ኮኬይን ካብ ቆጽሊ ኮካ ንምእላይ ዝተፈላለዩ ኬሚካላውያን መንገድታት ዝሓትት መስርሕ ድማ ይካየድ። ቆጽሊ ኮካ ብዘይካ’ቲ ኣብ ፍርያት ልስሉስ መስተ ዝህቦ ጥቕሚ ከም ባህላዊ መድሃኒት ኮይኑ ኣብ ምፍዋስ ዝተፈላለዩ ሕማማት ይውዕል ኢዩ። ብርክት ዝበሉ ከም ካልሲዩም፣ ፖታሺዩም፣ ፎስፈረስን ካልኦትን ዝኣመስሉ ማዕድናት ከምኡ ድማ ቪታሚናት ቢ፣ ሲ፣ ኢን ዝርከቦም ብምዃኑ ከም ሓደ ትሕዝቶ መግቢ ኮይኖም ኣብ መዓልታዊ መግብታት ወዲ ሰብ ተሓዊሶም ይቐርቡ ኢዮም። ኮላ ዝብል ስም ኣብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ምዕራብ ኣፍሪቃን ካልኦት ትሮፒካዊ ከባቢታት ዓለምን ንዝበቑሉ ብርክት ዝበሉ ወትሩ ሓምላይ ዝኾኑ ኣግራብ ብሓፈሻ ዝተዋህበ መጸውዒ ኢዩ።

እዞም ኣግራብ እዚኦም ቀንዲ መለለዪኦም እቲ ዘለዎም ፍረ – ካዕካዕ (nuts) ኢዩ። እዚ ፍረ ገረብ ኮላ ብትሕዝቶ ቀመም ካፌይን ሃብታም ብምዃኑ ድማ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ ኢዩ። ብርክት ዝበሉ ዓሌታት ገረብ ኮላ እኳ እንተሃለው እቶም ብዓይኒ ቁጠባ ኣገደስቲ ዝኾኑን ብብዝሒ ዝፈርዩን ግና እቶም ኣብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ዝርከቡ ብትሕዝቶ ካፌይን ሃብታማት ዝኾኑ ኢዮም። 20 ሜትሮ ዝበጽሕ ቁመት ክህልዎም ከሎ ኣቚጽልቶም ድማ ሰፊሕን ክሳብ 30 ሰንቲ ሜተር ዝኣክል ንውሓት ዘለዎምን ኢዮም። እቲ ብጫ ዝሕብሩ ዕምባታታቶም ዓምቢቡ ናብ ፍረ ምስ በጽሐ ናብ ከባቢ 8-17 ሴሜ ዝኣክል ቁመት ይበጽሕ፣ ጸኒሑ ድማ ናብቲ ሓመዳዊ ዝሕብሩ ፍረ (ካዕካዕ – nuts) ይምዕብል እሞ ናብ ምቕንጣብ ይበጽሕ። ብዘይካ ኣብ ፍርያት ልስሉስ መስተ ኮካ ካላ፣ ፍረ ገረብ ኮላ ኣብቲ ዝፈርየሉ ትሮፒካዊ ከባቢታት ንናይ መትንታት ሽግር ንምፍታሕ’ውን ይጥቀሙሉ ኢዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ኣፍሪቃ ንውጽኣት፣ ሕማም ከስዐ፣ ሕማም ቀጢን መዓንጣን ካልእን ዝኸውን ባህላዊ መድሃኒት የዳልዉን ይፍውሱን ኢዮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x