ብዛዕባ ምድረበዳ

ምድረበዳ ክበሃል ከሎ ካብ መጠን ንላዕሊ ሙቐት ዘለዎ፡ ኣግራብ ዘይበቑልዎን እንስሳታት ዘይነብርዎን ኮይኑ ዝስመዓና ብዙሓት ኢና። ምድረበዳ ዝበሃል ግን ብሰንኪ ዋሕዲ ጠሊ ብዘይካ ፍሉያት ፍጥረታት፡ ህይወታውያን ክነብርሉ ዘይምቹእ ኣከባቢ ማለት’ዩ። ምድረበዳ ካብ መጠን ንላዕሊ ሙቐት ዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ መጠን ንታሕቲ ዛሕሊ ዘለዎን ንህይወታውያን ዘይምቹእን ኣከባቢ’ውን ምድረበዳ’ዩ ዝበሃል። ኣብቲ ዝሑል ዝበሃል ምድረበዳ ኩሉ ወይ ድማ መብዛሕትኡ ጠሊ ናብ በረድ ስለዝቕየር ተኽሊ ዳርጋ ኣይበቁልን’ዩ። በዚ መኽንያት ድማ ምድረበዳ ይበሃል። ኣርክቲክ ዝበሃል ዝሑል ምድረበዳ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ ዝሑል ምድረበዳ ዝነብሩ እንስሳታት ነቲ ሓያል ቁሪ ዝጻወር ቆርበት’ዩ ዘለዎም። ከም በዓል ሳሃራን ጎቢን ዝኣመሰሉ ምድረበዳታት ከኣ ኣብነት ናይቶም ልዑል ሙቐት ዘለዎም ምድረበዳታት’ዮም። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ምድረበዳታት እናሰፍሑ ይኸዱ ከምዘለዉ’ዩ ዝፍለጥ። ምድረበዳነት ንምክልኻል ኣግራብ ክንቆርጽ የብልናን። ገረብ ክንተክል ድማ ይግባእ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x