እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ

ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓዲ ብዘይካ ሓቂ ሓሶት ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ለባም ሰብኣይ ነበረ። ብኸምዚ ድማ ደቂ ዓዲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቖም ዝነብሩ’ውን ይፈልጥዎ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ወረ ናይዚ ሰብኣይ ናብ ንጉስ ናይቲ ዓዲ በጽሐ። ንጉስ፡ ነዚ ላባምን ዘይሕሱን ሰብኣይ ክረኽቦ ደለየ። ወተሃደራቱ ልኢኹ ድማ ጸውዖ። እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረበ። “ፈጺምካ ሓሲኻ ኣይትፈልጥን’ዩ ዝበሃል፡ እዚ ሓቂ ድዩ?” ሓተተ ንጉስ። እቲ ሰብኣይ ብርእሰ-ተኣማንነት “እወ ሓቂ’ዩ” ክብል መለሰ። “ብድሕሪ ሕጂ’ውን ኣይክትሕሱን ኢኻ ማለት ድዩ?” “ብዛዕባ’ዚ ርግጸኛ’የ ንጉስ። ኣይሕሱን’የ ኣይክሕሱን’የ ‘ውን” ንጉስ ብኣድንቖት ክጥምቶ ድሕሪ ምጽናሕ “ሕራይ’ምበኣር፡ ነዚ ዝነኣድ ጠባይ ቀጽሎ። ተጠንቀቕ ግን” ብምባል ኣፋነዎ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x