ሕልሚ እንታይ’ዩ?

ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዘይከኣለ፡ ናይ ሓንጎል ስራሕ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምጥርጣር ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። መዓልታዊ ብተመራመርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምህዞታት ድማ ናይዚ ምስክር’ዩ። ወዲ ሰብ ለይቲ ምስ ደቀሰ ሕልሚ ይሓልም’ዩ። ንሕልሚ፡ ቀትሪ እትርእዮ ወይ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝረኣኻዮ’ዩ ሕልሚ ተመሲሉ ዝመጽኣካ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ተመራመርቲ ናይዚ ዓዉዲኸ? ኣብ ከባቢ 1820 ዝነበረ ፈረንሳዊ ተመራማሪ፡ ሕልሚ ማርኮይስ ዲ ሀርቨይ፡ ኣብ 1653 ወዲ ሰብ ብዛዕባ ሕልሚ ይዛረብ ከም ዝነበረ ይሕብር። ማርኩይስ ዝሓልሞ ዝነበረ ካብ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ይምዝግቦ ከም ዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ጠቒስዎ ኣሎ። ንሱ ኣብ 1867 “ሕልምን ትሕዝትኡን ብግብራዊ ትዕዝብቲ” ዝብል መጽሓፍ ብምድላዉ ኣብ ጉዳይ ሕልሚ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብ 1947 ዝነበረ ተመራማሪ ሕልሚ ስተፈንሰን ላበርግ፡ ጽዑቕ ምርምር ድሕሪ ምክያዱ ነቲ ማርኮስ ዝጀመሮ መጽናዕቲ ከም ዘለዎ ብምድጋፍ እቲ ምርምር ክቕጽል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ተመራመርቲ ይኹኑ ካልኦት ዘይተጠቕሱ ዘካይድዎ ምርምር፡ ኣብ ሕክምና ንኽገልገሉሉ’ምበር ብሕልሚ ብዝኽሰት ተርእዮ ንምትሩጓም ኣይነበረን።

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ግብጻውያን ግሪኻውያን ብዛዕባ ሕልሚን ትርጉሙን ብቐጻሊ ይመራመሩ ምንባሮም ኣብ መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ኣሎ። ኤርነስት ሆፍማን፡ ኣብ ኣሜሪካ ሓላፊ ሆስፒታል፡ ሕልሚ ቁጥዓትን ጭኑቓትን ንኸይንኸውን ጠቓሚ ባእታ ከም ዘመሓላልፍ ይሕብር። ይኹን’ምበር ካብ ርእይቶ ሓሊፉ ዘቕረቦ ጽሑፍ የለን። ሲግመንድ ፍረይድ፡ ብወገኑ ድሕሪ ጽዑቕ ምርምር ኩሉ ብዛዕባ ሕልሚ ዝግበር ምርምር ዘዕግብ ዉጺኢት ከም ዘይሃበ ኣብ ጽሑፋቱ ገምጊሙ። ብዛዕባ ሕልሚን ትርጉሙን ዝመራመሩ ሊቃዉንቲ ብዙሓት ይኹኑ’ምበር ከምዚ’ዩ ኢሉ ክትንትን ዝኽእል ተመራማሪ ግና ክሳብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣይተረኽበን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x