ጸባ ጡብ ኣደ

ጸባ ጡብ ኣደ እኹልን ብቐሊሉ ዝሓቅቕ መኣዛታት መግቢ ዘለዎ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝከላኸልን፡ ኣብ መንጎ ኣደን ህጻንን ፍቕሪ ዘደልድል ንህጻን ዝተዳለወ ህያብ ኢዩ። ህጻን ምስ ተወልደ ድማ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክጠቡ ኣለዎ። ንመቕመሲ ተባሂሉ ዝወሃብ ዝኾነ ነገር ነቲ ህጻን ዝኾነ ረብሓ ስለዘይብሉ ፍጹም ክወሃብ የብሉን። ኣብ ፈለማ ን3 መዓልታት ዝፈስስ ሓፊስ ጸባ ጡብ ኣደ ልግዐ ኮይኑ ነቲ ህጻን ሓይልን ሙቐትን ዝህቦ፡ ኣካላቱ ዝሃንጾ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝከላኸለሉ ፈሳሲ ኢዩ። ምጥባው ነታ ኣደ ካልእ ብዙሕ ረብሓታት’ውን ኣለዎ።

፠ ማህጸን ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ቦትኡ ንኽምለስ ይሕግዛ
፠ ጸባ ጡብ ቀልጢፉ ንኽወርደላ ይሕግዛ
፠ ካብ መንሽሮ ጡብን ማህደረ እንቋቁሖን ይከላኸለላ
፠ ኣረሓሒቓ ንኽትወልድ’ውን ይሕግዛ

ስለዚ ህጻናት ክሳብ 6 ኣዋርሕ ዝመልኡ ዝኾነ ተወሳኺ መግቢ ብዘይካ ጸባ ጡብ ኣደ ዋላ ማይ’ውን ኣይወሃብን ኢዩ። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ግን ናይ ግድን ተወሳኺ መግቢ ከድልዩ ኢዩ። ተወሳኺ መግቢ እናወሰደ ግን እቲ ምጥባው ከተቋርጽ ዘይኮነስ ህጻን ክሳብ ክልተ ዓመት ዝመልእ ክጠቡ ኣለዎ። እዚ ድማ ንጥዕንኡን ንጥዕና ኣደኡን ሓጋዚ ስለዝኾነ ኢዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x