መረቕ ኮመደረ

ዓቐን።-
– 2 ኩባያ ጥሑን ኮመደረ
– 2 ማንካ ጣውላ ሓርጭ
– 2 ማንካ ጣውላ ማርገሪን
– 3 ኩባያ ጸባ
– 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም
– 1 ዳዶ
– ጨው ከም ኣድላይነቱ

ኣገባብ

ኣብ ድስቲ ማርገሪን ኣምኪኽና፣ ሓርጭ ኣእቲና ኣጸቢቕና ነሕብሮ። ጸባ እናኣእተና ድማ ክሳዕ ዝሓፍስ ነዅሶ ነቲ ጥሑን ኮመደረ ኸኣ ንበይኑ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብሲልና ጸኒሕና ኣብኡ ኣእቲና ጨው፣ዳዶ፣ በርበረ ጸሊም ጌርና ኣወሃሂድና ኣብ ህዱእ ሓዊ ንርብዒ ሰዓት ዝኸውን ኣብሲልና ነውርዶ፣ ኣብ መቐረብ መረቕ
ጌርና ኸኣ ብውዑዩ ንመግቢ ንቕርቦ፣።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x