እንቋቝሖ ስለምንታይ’ዩ ዝኣጉል? ንኽንደይ እዋንከ ክቕመጥ ይኽእል?

እንቋቝሖ ውልድ ምስ በለ እዩ ክበላሾ ዝጅምር። ብፍላይ ኣብ ውዑይ ኵነታት ኣየር፣ ብቕዓት እንቋቝሖ ቀልጢፉ የንቈልቁል። ስለዚ፣ ንእንቋቝሖታት ኣብ ቀጥታዊ
ብርሃን ጸሓይ ዘይምግዳፎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣዝዩ ተመራጺ መኽዘናዊ ሙቐት፣ ካብ 4 ክሳዕ 13 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ  እዩ። ብፍላይ ኣብ ሙቐት ዘሎዎ ከባቢታት ዝፈሪ እንቋቝሖታት፣ ዋላ’ውን ንውሑድ ደቓይቕ ይኹን ኣብ ቀጥታዊ ብርሃን ጸሓይ ዘይምግዳፍ። ሓረስቶት ወይ ኣፍረይቲ ድማ ብውሑዱ ኣብ ሰሳልስቲ እንቋቝሖታቶም ናብ ዕዳጋ ከውርዱ ይግባእ። ስለዚ ኣብ ውዑይ ከባቢታት ብንኡስ መጠን እንቋቝሖ ዘፍርዩ ውልቀ-ሰባት ክገብርዎ ዝግባእ ቅልል ዝበለ ኣገባብ ኣተዓቓቕባ እንቋቝሖ ኣሎ። ንኣብነት፣ ነቲ እንቋቝሖታት ኣብ ዕትሮ ነቐምጦ’ሞ፣ ነቲ ዕትሮ ድማ ኣብ ጽላል ዘሎዎ ቦታ ክሳብ ክሳዱ ንቐብሮ። ነቲ ዕትሮ ተቐቢርሉ
ዘሎ መሬት ድማ ከባቢኡ ማይ ነስትዮ። እንቋቝሖታት ንሓድሕዶም ከይጋጨዉ ድማ ብሓሰር ምጉዝጓዝ ወይ ድማ ተንኮበት ምቕማጥ ኣገዳሲ እዩ። እንቋቝሖታት ሓያል ሽታ ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ስለ ዘሎዎም። ኣብ ጥቓ ሽጉርቲ ላምባ ወዘተ… ክኽዘኑ ኣይግባእን።  ብሓፈሻ ደረጃኡ ዝሓለወ እንቋቝሖ ኣፍሪና ንዕዳጋ ንምቕራብ ክንገብሮ ዝግብኣና ካልእ ጥንቃቐታት።-

1. መውለዲታት እንቋቝሖ፣ ጽሩያትን ካብ ቀልቀል ደርሆ ናጻ ኮይኖምን ክተሓዙ ኣለዎም። እንቋቝሖታት ቁሩብ እንተ ረሲሖም፣ ብረቂቕ ካርታ ቤትራታ ወይ ብስልኪ ኣፍኵስካ ምሕካኽ የጽርዮም እዩ። ምሕጻብ ግና ብድርዒ ኣቢሎም ደቀቕቲ ነፍሳት ናብ ውሽጢ ከም ዝኣትዉ ስለ ዝገብር ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን።

2. እንቋቝሖታት ውልድ ምስ በሉ፣ ተኸታቲልካ ብቕልጡፍ ካብ ቦታ መውለዲ ክእለዩ፣ ክጸርዩ፣ ክዝሕሉን ኣብ መትሓዚኦምብኣገባብ ክቕመጡን ይግባእ።

3. እንቋቝሖታት ብቐጻሊ ክእከቡ ኣለዎም – ብውሑዱ ሰለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ። ኣብ ውዑይ ኩነታት ድማ ሓሙሽተ ግዜ ክእከቡ ኣለዎም። እዚ፣ እንቋቝሖታት ንኸይስበሩ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፣ ሓንቲ ደርሆ ኣብ እንቋቝሖ ዘሎዎ ስፍራ ንብዙሕ ሰዓታት ኮፍ ንኽትብል እንተድኣ ተፈቒዱላ፣ ውሑድ እንቋቝሖታት ጥራይ እያ ትወልድ።

4. ዝተሰብሩ ወይ ዝረስሑ እንቋቝሖታት፣ ብዝቐልጠፈ ይበላሸዉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቶም ጽሩያትን ጥዑያትን እንቋቝሖታትን እውን ይልክሙ እዮም። ስለዚ፣ ተሰብሩ
እንቋቝሖታት፣ ካብቶም ጽሩያትን ጥዑያትን ተፈልዮም ክቕመጡ ይግባእ።

እንቋቝሖ ከም ዝኣጐለ ብዓይንኻ ወይ ብቐሊል ኣገባብ ክፍለጥ ይከኣልዶ? … ኣብ ገጽ 2 ይቕጽል.

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x