ቢልያርዶ ትጻወት’ዶ? ብዛዕባ ቢልያርዶ እንታይ ትፈልጥ?

ጸወታ ቢልያርዶ ነዊሕ ታርኽ’ዩ ዘለዎ። ኣብ 1340 ዓመተ ምህረት ይጽወት ከም ዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። ቢልያርዶ ክሳብ ናይ ዋንጫ ዉድድር’ዩ ዝካየደሉ። ኣብዚ ዘለናዮ 21 ክፍለ ዘመን፡ ግን ከም ስፖርት ዘይኮነ መልክዑ ቀይሩ ከም መጣልዒ ክጽወት ጀሚሩ ኣሎ። ከምኡ ክኸዉን ዝኸኣለ ከኣ ተጻወቲ ይኹኑ ወነንቲ ትካል ኣብ ዝያዳ ጥቕሚ የዘንብልዎ ብምህላዎም’ዩ።

ቢልያርዶ፡ ኣብ ጥንቲ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝጽወት ጸወታ’ዩ ነይሩ። ካብ 1591 ጀሚሩ ግን ኣብ ዉሽጢ ገዛ ክጽወት ጀሚሩ። ቢልያርዶ ዝብል ቃል ካብ ፈርንሳ ዝተወርሰ ኮይኑ ትርግሙ በትሪ ማለት’ዩ። ቢልያርዶ ኣቐዲሙ ብዕንጸይትን ዱልዱል ጭቃን’ዩ ዝስራሕ ነይሩ። ቢልያርዶ ቡዙሓት ዓበይቲን ዉሩያትን ሰባት ይጽወት ከም ዝነበረ ድማ ታሪኽ ይነግረና። ስለዚ ድማ ብምርጫ ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ብቐርኒ ሓርማዝ ብዝተሰርሐ ኩዕሶ ክጽወት ጀሚሩ ክወራረስ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ገና ይቕጽል ኣሎ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x