ደበና እንታይ’ዩ?

ፍቱዋት ቆልዑ ንሰማይ ገጽኩም እንተጠመትኩም ሓደ ሓደ ግዜ ደበና ትዕዘቡ ኢኹም። ብፍላይ ብርቱዕ ጸሓይ ኣብ ዝጸንሓሉ ጸሓይ ብደበና ክትሽፈን ከላ ዝሕል ክብለና ከኣ ባህርያዊ’ዩ። ብዛዕባ ደበና ግን እንታይ ትፈልጡ?

ደበና ካብ መሬት ዝሃፈፈ ጠሊ ዘለዎ ምዉቕ ኣየር፣ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከብ ዝሑል ኣየር ምስ ተራኸበ ዝፍጠር ክሊማዊ ኩነታት’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ደበና፣ በዚ ዝሑል ኩነታት ኣየር ዝፍጠሩ ነጠብጣባት ማይ ኣለዉ። እዚ ምክፍፋል’ዚ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ’ቲ ደበና ኣወንታዊ ሓይሊ ማለት (Positive Charge) ተባሂሉ ዝስመ ኤሌክትሪካዊ ሓይሊ ከም ዝፍጠር ይገብር። ኣብ ታሕተዋይ ክፋሉ ድማ ኣሉታዊ ሓይሊ ጸዓት (Negative Charge) ተባሂሉ ዝስመ ኤሌክትሪካዊ ሓይሊ  ተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝፍጠር ይገብር። እዞም ዝተጠቕሱ ኣንጻራዊ ሓይሊ ጸዓት ካብ ደበና ተፈንዮም ንሓድሕዶም ወይ ኣብ መሬት ምስ ዝፍጠር ኣንጻራዊ ሓይሊ
ጸዓት ክጋጨዉ ከለዉ ድማ በርቅን ነጎዳን ይፍጠር።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x