መረቕ ስጋ ከብዲ

ዓቐን።-
– 1/4 ኺሎ ስጋ ከብዲ ናይ ብዕራይ
– 2 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ
– ሓደን ፈረቓን ልትሮ መረቕ ደርሆ/ ዳዶ
– 1/2 ኩባያ ማርጋሪን
– 1/2 ኺሎ ዝደኸመ ጉንዲ ሰዴኖ
– 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም
– 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጉርቲ ጻዕዳ
-1 ማንካ ጣውላ ሓርጭ
– ማንካ ሻሂ ጨው
– 2 ኩባያ ጸባ

ኣገባብ

ነቲ ስጋ ከብዲ ኣድቂቕና ንመትሮ፣ ቀጺልና። ኣብ ድስቲ ገምጢልና። ማርገሪን። ሰዴኖ። ፐርሰሜሎ። ሽጉርቲ ጻዕዳ ኣእቲና ቁሩብ ንቐልዎ፣ ጨውን መረቕን ኣእቲና ኸኣ ነብስሎ፣ ኣብ ካልእ ድስቲ ድማ ነቲ ዝተረፈ ማርገሪን ኣምኪኽና ሓርጭ ኣእቲና ቅይሕ ክሳዕ ዝብል ንቐልዎ፣ ጸባ ጌርና ኸኣ ነብስሎ፣ ምስቲ ዝበስል ዘሎ ስጋ ከብዲ ሓዊስና እናኣሕበርና። ሓንሳእ ኣብሲልና ነውርዶ፣ ውዑዩ ኸኣ ንመግቢ ንቕርቦ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x