መረቕ ካውሎ ካቡቺን ቀይሕ ሱርን ምስ ባኒ

ዓቐን።-
– 1 ንእስ ዝበለ ካውሎ ካቡቺ
– 1 ኺሎ ቀይሕ ሱር
– ክልተን ፈረቓን ሊትሮ መረቕ ደርሆ/ ዳዶ
– 1 ዓቢ ሽጉርቲ ቀይሕ ብደቂቕ ዝተመትረ
– 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም
– ፍርቂ ኩባያ ፎርማጆ
– 8 ባኒ ብኸቢብ ዝተመትረ
– 3 ማንካ ሻሂ ማርጋሪን
– 3 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ
– 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጕርቲ ጻዕዳ
– 1 ኩባያ ጽማቝ ኮመደረ

ኣገባብ

ነቲ ካውሎ ብደቂቕ መቲርና። ሓጺብና ካብ ማዩ ነጽፍፎ፣ ነቲ ቀይሕ ሱር ከኣ ቀሪፍና ብደቅቕ ንመትሮ፣ ቀጺልና። ካውሎ። ቀይሕ ሱር። ሽጉርቲ ቀይሕ። ሽጉርቲ ጻዕዳ። ፐርሰሜሎ። ጽማቝ ኮመደረ። ማርጋሪን። ብሓንሳብ ሓዊስና በቲ መረቕ ጌርና ንስኽትቶ፣ ኣጸቢቑ ምስ በሰለ ብማንካ ጌርና ኣድኪምና በርበረ ጸሊም ነስኒስና
ኣወሃሂድና ነውርዶ፣ ብውዑዩ ኸኣ ነቲ ባኒ ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ሸሓሊ ረብሪብናዮ ንጸንሕ’ሞ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባኒ ነፍስሶ፣ ፎርማጆ ነስኒስና ንመግቢ ንቕርቦ፣

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x