ፍቱዋት ቆልዑ ብዛዕባ ፒኮክ እንታይ ትፈልጡ?

ነቶም እትፈልጥዎ መዘኻኸሪ ነቶም ዘይትፈልጡዎ ከኣ ምእንቲ ክትፈልጡዎ ነዚ ብዛዕባ ፒኮክ ዝድህስስ ጽሑፍ ኣንብቡ። ፒኮክ ካብ’ቶም ገዘፍቲ ዓይነት ኣዕዋፍ’ዮም። ኣንስተይቲ ፒኮክ ክሳብ 86 ሴንቲ ሜተር ቁመትን 3.4 ኪሎ ግራም ክብደትን ክህልዋ ከሎ፣ ተባዕታይ ድማ ልዕሊ ክልተ ሜትሮ ቁመትን ኣስታት ሓሙሽተ ኪሎ ግራም ክብደትን ኣለዎ። ክልቲኦም ጾታ ብልምዲ “ፒኮክ” ተባሂሎም’ዮም ዝስመዩ። ሰለስተ ዓይነት ፒኮክ’ዮም ዘለዉ። እቶም ክልተ ዓይነት ኣብ ኤሽያ ዝርከቡ ኮይኖም “ፒኮክ ህንድን” “ቀጠልያ ፒኮክን” ዝበሃሉ ኮይኖም ፣ እቶም ሳልሳይ ዓይነት ድማ “ፒኮክ ኮንጎ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ኮክይኖም ኣብ ሃገረ ኮንጎ ይርከቡ።

ፒኮክ ህንዲ ካብቶም ፍሉጣትን ልሙዳትን ዓይነት ኮይኖም ዝቀያየር ሰማያዊን ቀጠልያን ሕብርታት ዘለዎ ክንቲት ኣለዎም። ብፍላይ ኣብ ዝባኖም ዝርከብ ክንቲት ነዊሕ ኮይኑ ፣ ኣብ ጫፍ ነፍስ ወከፍ ክንቲት ዓይኒ ዝመስል ክፍሊ ኣካል ኣሎ። ክንቲት ኣንስተይቲ ፒኮክ ብሕውስዋስ ቀጠልያን ሓሙኽሽታይን ሕብሪ ዝተዓብለለ ኮይኑ ዘንጸባርቕ ሰማያዊ ሕብሪ ኣለዎ።

ኣንስተይቲ ፒኮክ ኣብ ክሳዳ ብዝርከብ ቀጠልያ ሕብሪ ክትልለ ትኽእል። ተባዕታይ ግና ክሳዶም ሰማያዊ’ዩ። ቀጠልያ ፒኮክ ርእሶም ክሳዶምን ኣፍልቦምን ድሙቕ  ንጸባርቕ ሕብሪ ኣለዎም። ኣንስትዮ ድማ ህስስ ዝበለ ሕብሪ ክህልወን ከሎ ጭራ ግን የብለንን። ፒኮክ ኮንጎ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዓይነት ዑፍ ኮይኑ ንእስ ዝበለ’ዩ። ሕብሩ’ውን ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። እታ ኣንስተይቲ ካብ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሸሞንተ እንቋቑሖ ምስ ወለደት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ትጫጭሖም። “ፒኮክ ህንዲ” ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፣ ህንዲ ፓኪስታንን ስሪላንካን ይርከቡ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x