መበገሲ ሕርቃን

ክኢላታት ስነ-ኣኣምሮ፡ ሓደ ሰብ ንዝስምዖ ደረጃ ሕርቃን ንምዕቃን ፈተነታት ኣካይዶም እዮም። በቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት ከኣ፡ ኣብ ሰባት ዘጋጥም ሕርቃን ዝተፈላለየ’ዩ። ገለ ሰባት ቀልጢፎም ክሓርቁን ክቑጡዑን ይኽእሉ። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ዘሕርቖም ዘሎ ነገር ንኽፈልጡ ስለ ዘይሽገሩ፡ ሕርቃኖም ክፈትሑን ካብ ቁጥዓኦም ክሃድኡን ግዜ ኣይወስደሎምን። ገለ ሰባት’ውን ብባህሪኦም ዝያዳ ኣብ ነገራት ተቖጣዕትን ነደርትን ይኾኑ። ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ ዝኾነ ዶክተር ጀሪ ደፊን ባቸር ጠንቂ ናይዚ ነገር ብኸምዚ ይገልጾ።

ብርግጽ ገለ ሰባት ካብ ካልኦት ሰባት ብባህሪ ዝወዓዩ እዮም። ቀልጢፎም ይሓርቁ ሓይሊ ሕርቃኖም ከኣ ካብ ካልኦት ዝዛይድ ይኸውን። ቀልጢፎም ዝሓርቁ ሰባት ቀልጢፎም ኣይጻረፉን ወይ’ውን ቃላት ኣይድርብዩን። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝህሉ ነድሪ ወይ’ውን ቁጠዐ ክሳብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሕ ይኸውን። ሓራቓት እቲ ኣብ ውሽጦም ዝኽሰት ረስኒ ክቆጻጸርዎ ኣብ ዘይክእሉ ኩነት ምስ ዝበጽሕ ዝዛረብዎ ኮነ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን’ዮም።

ኣብ ጉዳይ ሕርቃን ወይ’ውን ነድሪ፡ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ ኣእምሮ ዝሰማምዕሉ፡ ውሑድ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ቁጡዓት ይኾኑ። እዚ ከኣ ንሓፈሻዊ ብቕዓት ኣካላትን ስነ ኣእምሮን ይገልጽ። እዞም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ነቲ ብብቕዓት ክፈትሕዎ ዘይከኣሉ ነገራት ብቑጥዐ ክፈትሕዎ ስለ ዝፍትኑ’ዩ። ናይዚ ኣብነት ከኣ ሓደ ጥዑይ ጠንቂ ሕርቃን ዝነበረ ሰብ ኣብ እዋን ከቢድ ሕማም ዝያዳ ክቑጣዕን ምስ ሰባት ክገራጮን ይርአ። መበገሲ ሕርቃን እንታይ እዩ? ክኢላታት ከምዝገልጽዎ፡ ስምዒት ሕርቃን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝወራረስ’ዩ። ትዓብየሉ ከባቢ’ውን ልዑል ጽልዋ ከም ዘለዎ ይሰማምዑ። ንኣብነት ሓደ ንምንባሩ ኣሸጋሪ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝቕመጥ ሰብ ካብቲ ካልእ 50% ዝያዳ ናይ ምቑጣዕ ጠባይ ከማዕብል ይኽእል። ሕርቃን ኩሉ ግዜ ብኣሉታ እዩ ዝግለጽ። ምኽንያቱ ክትገልጾን ብእወታዊ ዝኾነ መንገዲ ክትርድኦን ስለ ዘጸግም ። ከም ምጭናቕን ጸቕጢን ዝኣመሰሉ ስምዒታት ቀልጢፍካ ተረዲእካ ክትኣልዮምን ነቲ ሰብ ክትፍውሶን ብዙሕ ኣሸገርቲ ኣይኮኑን። ከም ቁጠዐን ነድርን ዝኣመሰሉ ነገራት ግን ንምፍዋሶምን ንምልላዮምን ኣዝዮም ከበድቲ ይኾኑ። ብመሰረት መጽናዕትታት፡ ድሕረ ባይታ ናይ ስድራቤት ኣብ እነጥርዮ ባህሪ ዓቢ ተራ’ዩ ዝጻወት። ንኣብነት እቶም ሓራቓት ሰባት ካብ ዕግርግርን ባእስን ዘለዎ ስድራ ክመጹ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎም። ሕርቃን ንምፍዋስ ጠንቂ ዘሕርቐና ዘሎ ነገር ብግቡእ ብምልላይ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሽ ብምርኣይ ካብ ፍጹም ቁጠዐ ክንናገፍ ንኽእል።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x