ኣብ ፈረስ ዝተወጥሐ ሬሳ ዝተዓወተሉ ውድድር

ኣብ 1923 ካብ ዝተረኽቡ ብርክት  ዝበሉ ተወዳደርቲ ቅድድም ኣፍራስ ኣብ ዝተኻየደ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ። ሓደ ካብዞም ነቲ ውድድር ተዓዊቱ ስሙን ክለቡን ንምጽዋዕ ዝተበገሰ ተወዳዳሪ ድማ ፍራንክ ሃይስ ነበረ። ንሱ፡ ዋላ እኳ ቅድሚ ናብቲ ውድድር ምእታዉ ትሑት ምልክታት ህርመትልቢ ተሰሚዕዎ እንተነበረ፡ ደሓን ከምዘሎእዩ ንነብሱ ከእምና ፈቲኑ።ኣብ መወዳደሪ መስመር ዝተቐረበፍራንክ፡ ከም ሰቡ ፈረሱ ተወጢሑ እናኣጋለበ እዩ ተበጊሱ። እንተኾነ፡ንሒደት ኪሎ ሜተራት ጥራይ እዩ
ምስ ፈረሱ ኮይኑ ነቲ ውድድር ክቕልሶ ፈቲኑ። ከም ኩሎም ተወዳደርቲ ሓያል ናይምዕዋት ወኒ ሒዙ ውድድሩ ዝጀመረፍራንክ ግና፡ ናብ መወዳእታ መዛዘሚ ሕንጻጽ ክበጽሕ ኣይከኣለን። እቲ ውድድር ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ ልቡ ስርሓ ኣቋሪጻ ጸጥ በለት። እንተ’ቲ ፈረሱ፡ ቃሉ ከየዕበረ ንሬሳ ዋናኡ ተሰኪሙ እዩ ንጥፈታቱ ዘካይድ ነይሩ። እዚ ካብ ፈለማ ብልዑል ፍጥነት ዝተበገሰ ፈረስ፡ ክሳብ’ታ ቀዳማይ ኮይኑ ሕንጻጽ ዝረግጽ፡ ነቲ ሚዛኑ ዘይቈጻጸር ዝነበረ ዋናኡ ዘይምውዳቑ፡ ነቲ ፍጻመ ኣገራሚ ክኸውን ኣኽኢልዎ። ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ እቲ ኣብ 1901 ዝተወልደ ፍራንክ ሃይስ፡ ኣብ ውድድር ኣፍራስ ዝነበሮ ፍቕሪ መስፈር ኣልቦ ምንባሩ እዩ ዝንገር።

ብ4 ሰነ 1923 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዕዉት ንክኸውን ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ ድማ እቲ ሸውዓተ ዓመት ዕድመ ዝነበሮ ስዊት-ኪስ ዝተባህለ መወዳደሪ ፈረስ ነበረ። መዛግብቲ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ውድድር ክልተ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ ፍራንክ 142 ፓውንድ እዩ ዝምዘን ነይሩ። ብመሰረት ሕጊ እቲ ውድድር ድማ ልዕሊ 130 ፓውንድ ዝምዘን ሰብ ክወዳደር ኣይፍቀድን ነበረ። ስለዚ፡ ነተን 12 ፓውንድ ንምጥፋእ፡ ኣብተንክልተ ሰሙን ልዕሊ መጠን ከምዝሃለኸይሕብሩ። ጠንቂ ሞት ናይዚ ተወዳዳራይድማ እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን።እቲ ፈረስ ስለምንታይ ፍጥነትከይቀነሰ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ? እቶምተወዳደርቲኸ ብልክዕ ንሓደ ብሬሳዝምራሕ ዝነበረ ከሰንፍዎ ዘይከኣሉ?ካብቲ ንብዙሓት ወገናት ዘዛረበ እዋናዊኩነት እዩ ነይሩ። ከም ግምት ብዙሓት፡እቲ ፈረስ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት ፍራንክዝተጠቕመሉ ሜላ፡ ኣብ ምብጋሱብብርቱዕ ክጋልብ ከምዘለዎ ኣሰልጢኑዎክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝሕበር። እቲ ኣብዝባን ፈረስ ዝሞተን፡ ቀዳማይ መዛዘሚሕንጻጽ ዝረገጸን ተወዳዳሪ፡ ክሳብ ሕጂኣብ ታሪኽ ውድድር ኣፍራስ፡ ‘እቲብምዉቱ ኣብ ውድድር ዝተዓወተ’እናተባህለ ይጥቀስ ኣሎ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x