ስለምንታይ እየ ዝርስዕ ዘለኹ?

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ይመላለስ’ዩ። ብፍላይ ተኣፈፍትን ኣገደስትን ስራሕን ቆጸራታትን ክርስዑ ከለው፡ ንምንታይ እየ ወይ ስለምንታይ እየ ዝርስዕ ዘለኹ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን’ዩ። ናይ ኣዚኻ እትቐርቦ ሰብ ስም ክትርስዕ እንከለኻ ብሕፍረት ዘድንን’ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀትሪ ምስ ብርቱዕን ኣድካምን ስራሕ ዝተረስዐ ነገራት፡ ሓንጐል ለይቲ ልዋም ድቃስ እንተጸጊቡ፡ እቲ ተረሲዑ ዝነበረ በርሃው ኢሉ ከምዝዝከር ኣረጋጊጾም ኣለው። ብተወሳኺ እቶም ተመራመርቲ፡ ‘ኣእምሮ በዚ ጥራይ ከየብቀዐ ኣገዳሲ’ዩ ዝበሎ ኣርእስቲ ኣብ ውሽጡ ኣድሚቑ ከምዝኽዝኖ’ውን ኣረጋጊጽና’ ይብሉ። ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ሊቃውንቲ ቦስተን ዩኒቨርስቲ፡ ዓቐኑ ዝሓለፈ ድቃስን እኹል ዘይምድቃስን፡ ንጥዕናን ህይወትን ደቂ-ሰብ ሓደገኛታት ምዃኖም የጠንቅቑ። ናይዚ ጠንቂ ዝዀኑ ሳዕቤናት’ውን ገሊጾም ኣለዉ፦ – ዋሕዲ ደምን ጉድለት ማዕድናትን (iron) ስለምንታይ ንርስዕ?

– ዘይምትኳርን ብዝሒ ምስጋልን

– ምጭናቕን ዋሕዲ ድቃስን – ስሩዕን ዝተመጣጠነ መግቢ ዘይምዝውታርን

– ሕሉፍ ሻቕሎት፡ ፍርሒ፡ ተስፋ ምቑራጽን ምርባጽን እዮም። ደረጃ ምርሳዕና ንምውሓድ ሓገዝቲ ዝዀኑ ነጥብታት’ውን ዘርዚሮም ኣለዉ፦

– እኹል ሰዓታት ምድቃስን ምዕራፍን። ምኽንያቱ፡ ድቃስ ዘይምጽጋብ ንክፍሊ ምዝካር ሓንጐልና ስለዘዳኽም።

– ካብ ሕልኽላኻትን ግርጭትን ምርሓቕ።

– ቅብኣትን ስብሕን ዘለዎ መግቢ ብብዝሒ ዘይምምጋብ።

– ካብ መነቓቕሕን መደቀስን ከኒናታት ምርሓቕ። እዚ ዓይነት ከኒናታት ንሓንጐልና ብዘይፍቓዱ ከምዝባራበርን ከምዝድቅስን ስለዝገብሮ።

– ኣብ እዋን ቀትሪ እኹል ዕረፍቲ ምርካብ፡ ህዱእ ናይ ስራሕ ሃዋህው ምህላውን ንሓንጐልና ህድኣት ፈጢሩ ድሙቕ ፍጻሜታት ንኽምዝግብ የኽእሎ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x