ንፍሽኽታ – ቻርጅ

ሰብኣይን ሰበይትን ለይቲ ደቂሶም እንከለዉ፡ ቻርጅ ትገብር ዝነበረት ሞባይል ተሌፎን ናይ በዓልቲ ቤቱ ድምጺ ገበረት’ሞ፡ በዓል ቤታ መልእኽቲ እዩ ተሰዲዱ ኢሉ ስለዝሓሰበ፡ ነጢሩ ካብ ዓራቱ ተሲኡ ኣልዓላ። ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዝነበረ ምስ ኣንበበ ብሕርቃን ንበዓልቲ ቤቱ ነቕኒቑ ካብ ድቃሳ ብምትንሳእ፡ “ስምዒ እስከ ንስኺ፡ እንታዋይ’ዩ ለይቲ ምድሪ “ቢቲፉል” (beautiful) ኢሉ መልእኽቲ ዝስደልኪ?” በላ’ሞ፡ ንሳ ድማ ካብቲ ዓራት ብምትንሳእ ምንጥል ኣቢላ ነቲ ጽሕፈት ምስ ረኣየት፡ ካብ ድቃሳ ብምትንስኡ ብዙሕ እናሓረቐት፡ “ሱቕ ኢልካ እስከ ኣደቅሰና (batteryfull) (ባተሪ መሊኡ) እዩ ዝብል ዘሎ” በለቶ። 

 

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x