ዘይቲ ኣውሊዕ፡ ተኽእሎ ሕማም መንሽሮ ጡብ የጉድል

ዘይቲ ኣውሊዕ ተኽእሎ መልከፍቲ ሕማም መንሽሮ ጡብ ከምዘጕድል ተመራመርቲ ገሊጾም። ብመሰረት’ቲ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣመጋግባአን ተወሳኺ ዘይቲ ኣውሊዕ ዘዘውተራ ኣደታት፡ በቲ ሕማም ክጥቅዓ ዘለወን ዕድል ዝወሓደ ኰይነን ከምዝተረኽባ እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም። እቲ መጽናዕቲ ብገምጋም ካብ 60 ክሳብ 64 ዓመት ኣብ ዝዕድሜአን 282 ዝቚጽረን ክልተ ጕጅለ ደቂኣንስትዮ’ዩ ተኻይዱ። እተን ኣደታት ኣብ ኣመጋግባአን ፍሩታታት፡ ዳዶን ኣሕምልቲን ብብዝሒ፣ ከም ዓሳ፡ ስጋን ወይኒን ድማ ብውሑድ ዓቐን ከምዘዘውትራ እዩ ተገይሩ። ኣብ መንጎ’ቲ መጽናዕቲ ድማ፡ እተን ሓደ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣመጋግባአን ዘይቲ ኣውሊዕ ዝያዳ ከምዝጥቀማ፡ እተን ካልኣይ ጕጅለ ድማ ዳዶ ከምዝውስኻ ተገይሩ።

እቲ መጽናዕቲ ካብ 2003 ዝጀመረ ኰይኑ፡ እተን ኣብ ኣመጋግባአን ተወሳኺ ዘይቲ ኣውሊዕ ክወስዳ ዝተመደባ ጉጅለ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ሊትሮ ዘይቲ ኣውዕሊ’የን ንዕአንን ንስድራቤተንን ከምዝጥቀማ ኮይኑ። እተን ኣብ ኣመጋግባአን ተወሳኺ ዳዶ ክጥቀማ ዝተሓበራ ካልኣይ ጉጅለ ድማ፡ ኣብ ሰሙን 15 ግራም ዎልናት (ዓይነት ዳዶ)፡ 7.5 ግራም ኣልሞድድ (ዓይነት ፍረ)ን 7.4 ግራም ሃይዘልናትን (ዓይነት ዳዶ)ን እየን ተጠቒመን። ኣብ 2009 – ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ምዃኑ’ዩ፡ እተን ተወሳኺ ዘይቲ ኣውሊዕ ዘዘውተራ ጉጅለ፡ ምስተን ካልኣይ ጉጅለ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ ካብ ተኽእሎ ሕማም መንሽሮ ጡብ ብ68% ጐዲለን ተረኺበን።

እተን ተወሳኺ ዳዶ ዝተጠቀማ ጉጅለ ግና ዝዀነ ለውጢ ኣየርኣያን። ዘይቲ ኣውሊዕ ዝተሓወሶ ዓይነት ኣመጋግባ፡ ኣብ ሃገራት መዲተራኒያን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። በዚ መሰረት፡ መልከፍቲ መንሽሮ ጡብ፡ ካብ ኣብ ሃገራት ሰሜን ወይ ማእከላይ ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ኣብተን ብመዲተራኒያን ዝፍለጣ ሃገራት ዝወሓደ ከምዝዀነ ከኣ ተመራመርቲ ዝሕብሩዎ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ኣመጋግባ ሃገራት መዲተራኒያን ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት ስሒቡ ይርከብ። እተን ኣብ ኣመጋግባአን ተወሳኺ ዘይቲ ኣውሊዕ ከዘውትራ ዝተመደባ ጉጅለ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሓፈሻዊ ጥዕናአን ተመሓይሹ፡ ብፍላይ ድማ ብሕማም መንሽሮ ጡብ ክጥቅዓ ዘለወን ተኽእሎ ጐዲሉ ከምዝተረኽበ እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም። መንሽሮ ጡብ ኣብ ኣመሪካ፡ እቲ ካልኣይ ሓደገኛ ሕማም ምዃኑ ይንገር። ኣብ 2015፡ 232 ሽሕ ኣመሪካውያን በቲ ሕማም ክልከፋ ከለዋ፡ ካብዚኣተን እተን 40 ሽሕ ዓመታዊ በቲ ሕማም ይሞታ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x