ንጥዕና ሓንጐልና ካብ ዝጎድኡ ልምድታት

ሓንጐል፡ ኣገዳሲ ኣካል ከም ምዃኑ መጠን ጥዑይን ንጡፍን ክኸውን ኢና ንምነ። ገለ ካብ’ቶም ንሓንጐልና ጎዳእቲ እንብሎም ልምድታት ድማ፦-

ቁርሲ ምሕሳም፡-

ንግሆ ቁርሲ ዘይተዘውትር እንተዄንካ፡ ሓንጐልካ ብመንገዲ ህዋሳት ደምካ ክረኽቦ ዝኽእል መጠን ሽኮር ይውሕድ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንጥፈት ሓንጐልካ ይንኪ።

እኹል ድቃስ ዘይምርካብ፦

 ኣእምሮና ካብ ጭንቀትን ድኻምን ናጻ ክኸውን ዝገብሮ ድቃስ’ዩ። ኣብ መዓልቲ፡ እቲ ከተዕርፈሉ/ ክትድቅሰሉ ዝግበኣካ ግዜ ከይደቀስካ ተሕልፎ እንተዄንካ፡ ካብቲ ወትሩ እትድቅሰሉ እዋን ኣሕሊፍካ ክትድቅስ እንተፈቲንካ ወይ’ውን ዘይለመድካዮ ኣደቓቕሳ ተጠቂምካ ክትድቅስ እንተፈቲንካ፡ ጥዕናኡ ዝተማልአ ሓንጐል ክህልወካ ኣይትጸበ።

ትም ናይ ምባል (ዘይምዝራብ) ኣመል ምዝውታር፡-

ብዙሕ ከይተዛረብካ ኣፍካ ዓጺኻ ናይ ምስማዕን ምዕዛብን ኣመል እንተሃልዩካ፡ ንሓንጐልካ ጽቡቕ ስለ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝጸንሓካ ልምዲ ክትቅይሮ ፈትን። ኣብ ዝተፈላለዩ መሃርትን ኣዘናጋዕትን ዝዀኑ ዕላላት እናተሳተፍካ ዘለካ ፍልጠት ከተካፍል ምፍታን ንሓንጐልካ ምውስዋስ/ ምንቅስቓስ/ ከም ማለት ምዃኑ’ዮም ሰብ ሞያ ጥዕና ዝመኽሩ።

ርእስኻ ሸፊንካ ምድቃስ፡-

ርእስኻ ኣብ ውሽጢ ኮበርታ ኣእቲኻ ምድቃስ ማለት ውሑድ ኦክስጅን ትረክብ ኣለኻ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሓንጐልካ ኣብ ክንዲ ንጹህ ኣየር ዝተበከለ ኣየር ንኽረክብ ተቃልዖ ኣለኻ። እዚ ልምዲ ንሓጐልካ ጎዳኢ ምዃኑ ክትዝንግዕ ኣይግባእን።

ተመራማሪ ምዃን፡-

ምሕሳብ/ ምምርማር/ ሓደ ካብ’ቶም ዝበለጹ፡ ሓንጐልና ንኽወሳወስ/ንኽነጥፍ/ ዝሕግዙ ኣገባባት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዝዀነ ምሕሳብ ዘድልዮ ስራሓት ተዋፊርካ ሓንጐልካ ከምዝነጥፍን ከምዝንቀሳቐስን ምግባር ተመራጺ’ዩ።

ሓሚምካ ወይ ደኺምካ እንከለኻ ክትሰርሕ ወይ ከተጽንዕ ምፍታን፡-

ድኻም ወይ’ውን ጥዕናኻ ሕማቕ ኣብ ዝስመዓካ እዋን፡ ሓንጐልካ ንኸጽንዕን ንኽሰርሕን ክትድርኾ ምፍታን፡ መሊስካ ናብ ጭንቀት ተምርሖ ኣለኻ ማለት ስለዝዀነ፡ ነቲ ልምዲ ከተቋርጾ ምፍታን ተመራጺ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x