ኰባላሚን (ቫይታሚን ቢ12)

ቫይታሚን ቢ12 ካብ መግቢ እንረኽቦ ፎሊክ ኣሲድ ናብ ዝደቐቐ ደረጃኡ ኣብ ምቕያር ዝለዓለን ቍልፊ ተራን ዝጻወት ሓደ ካብ ጽማረ ቫይታሚን ቢ እዩ። ብጀካ’ዚ ምስ ካልኦት ቀመማት ብሓባር ስብሕን ኣሚኖ ኣሲድን ናብ ዝደቐቐ ደረጃኦም ክቐየሩን ድልዱል መጠረዚ ጽሕጐ መትንታት ክህሉን ዝለዓለ ጥቕሚ ይህብ። መዓልታዊ ዓቐን፥ ሓደ በጽሒ መዓልታዊ 2.4 ማይክሮግራም ክወስድ ይግባእ። ምንጪ፥ ስጋ፡ እንቋቁሖ፡ ዓሳ፡ ጸባን  ውጺኢት ጸባን፡ ጥረታትን ጕድለት፥ ብጕድለት ቫይቲምን ቢ12 ዝስዕብ ሕማም ዋሕዲ ደም ፐርኒሽስ (pernicious Anemia) ይበሃል። ብሰንኪ ጕድለት ኰባላሚን ሓንጐል፡ መትኒ ኣዒንትን ካብ ሓንጐል ወጻኢ ዘለዉ መትንታት ብዝለዓለ ይጕድኡ። ፍወሳ፥ ዋሕዲ ቫይታሚን ቢ 12 ከየጋጥም ብቐሊሉ ክንረኽቦ እንኽእል መግብታት ከም ጥርምረ ምዝውታርን ናብ ሕክምና ኬድካ ምኽርን ፍወሳን ምርካብ ተመራጺ ይኸውን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x