ተኣምር ማይ

ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ንሳምንቲ፡ ብዘይ ማይ ግን ምናልባሽ ንገለ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል ይኸውን። ምኽንያቱ ማይ ሂወት’ዩ! ማይ ምንባር ማለት’ዩ! እዛ እንነብረላ ፕላኔት እንተዀነት እውን ዝበዝሐ ክፋል ብማይ ዝቘመት’ያ። ስለዚ፡ ማይ እንተሎ ሂወት ኣሎ፣ ማይ እንተዘየለ ድማ ቀጻልነት ሂወትን ወለዶን የለን ማለት እዩ። ኵሉ ሂወት ዘለዎ ፍጡር ዝበዝሕ ክፋሉ ብማይ ዝቘመ እዩ። ሓፈሻዊ ሚዛን ሰብነት ሓደ ሰብ ክረአ ከሎ፡ ሓደ ሓድሽ እተወለደ ህጻን ካብ 75-80%፡ እዅል ወዲ ተባዕታይ ካብ 55-60%፡ እኽልቲ ጓልንስተይቲ ድማ ካብ 50-55% ብማይ ዝቘመ እዩ። ስለዚ፡ ብዘይ ማይ ክንበር ኣይከኣልን ጥራይ ዘይኰነስ ፍጥረት ወዲ ሰብን ካልኦት ስነ ሂወታውያን ብማይ እተሰርሑ እዮም ምባል ይከእል። ሓደ በጽሒ ሰብ ድማ ስሩዕ ተግባራትን ንጥፈታትን ከካይድ እንተዀይኑ መዓልታዊ ካብ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ክሳብ ክልተ ሊትሮ ማይ ክሰቲ ይግባእ። ጥቕሚ ማይ፥

* ከሎም ወሰንቲ ኣካላት(ልቢ፡ ጸላም ከብዲ፡ ኵሊት፡ ሳንቡእ፡ ጨጐራ፡ መዓናጡ ቈርበት፡ ኣዕጽምቲ. . .)ስሩዕ ተግባራቶምን ንጥፈታቶምን ኣብ ምስላጥ ግድን ማይ ይጥቀሙ።

* ሰብነት ብጽምእን ድርቀትን ከይጥቃዕ ይከላኸል። * ቅርጽን ድልዳለን ወሃዮታት የትሕዝ።

* ወሃዮታት ቅርጾምን ድልዳለኦምን ከምዝዕቅቡ ይገብር።

* ሙቐት ሰብነት ይዕቅብ።

* ብተግባራት ሳንቡእን መናፊት ቈርበትን ዛሕሊ ሰብነት ይዕቅብ።

* ኣብ መላግቦ ኣዕጽምቲ ከም ቅብኣ(ፍሕፈሐ ከይህሉ) የገልግል።

* ዝበዝሐ ክፋል ደም፡ ምራቕ፡ ሽንትን ብማይ ስለዘቝሙ፡ መግብታት ናብ ወሃዮታት የብጽሕ፡ ርስሓት ድማ ካብ ወሃዮታት ናብ ግዳም ክጐሓፍ ከም መጓዓዝያ የገልግል።

* ኣብ ሓንጐል፡ ዕትብቲ ዓንዲ ሕቘ፡ ኣዒንቲ፡ ሎቐታ ርእሲ ማንታን ወዘተ ከም ከልካሊ ጐነጽ ወሳኒ ተራ ይጻወት።

* ቫይታሚናት፡ ሚነራላትን ሽኰርን ካልኦት ደቀቕቲ ባእታታትን ብቐሊሉ ከምዝሓቁ ይገብር።

* ሽኰር፡ ፕሮቲን፡ ስብሕን ካልኦትን ናብ ዝደቐቐ ነገር ክቕየሩ ከም ቀንዲ ኣቃላጣፍን ተዋሳኣይን ኰይኑ ኣገልግሎት ይህብ።

* እተፈላልለዩ ሕማማትን ጐዳእቲ ተርእዮታትን ይከላኸልን ይፍውስን።

* ረኽስን ቃንዛን የጕድል።

* ሓጐስን ባህታን ይህብ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x