ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ ኣዕዋፍ

ወዲ ሰብ ይነብረሉ ኣብ ዘበለ ክፍሊ ዓለም ኩሉ ኣዕዋፍ ኣለዋ። ኣዕዋፍ ኣዝየን ኣገረምቲ ፍጥረታት ኢየን። በቲ ግሩም ክእለት ኣበራርረአን፡ ብዘለወን መሳጢ ሕብሪ ክንቲት፡ ብጥዑም ድምጸን፡ ብዝህብኦ ጥቕሚ …..ወዘተ ንወዲ ሰብ ኩሉ ሳዕ ምስ መሰጥኦ ኢየን። ኣዕዋፍ ዓንዲ ሕቖ ምስ ዘለዎም እንስሳታት ይምደባ። ከም መጥበውቲ ደመ-ውዑያን እንስሳታት’ውን ኢየን። ይኹን’ምበር፡ ኣዕዋፍ ካልኦት እንሳታት ዘይብሎም ነገር ይውንና ኢየን – ክንቲት። መላእ ኣካላተን ብኽንቲት ዝተሸፈነ ኢዩ። ከም ግዝፈን፡ ኣካላት ኣዕዋፍ ካብ 900 ክሳብ 25,000 ብዝበጽሑ ክንቲት ዝተሸፈነ ኢዩ። ከምቲ ክዳንና ምስ ኣረገ ብኻልእ ንትክኦ፡ ኣዕዋፍ’ውን ክንቲተን ምስ ኣረገ ብኻልእ ይትክእኦ ኢየን። መብዛሕትአን ኣዕዋፍ ኣብ መወዳእታ ወቕቲ ናይ ክራማት ኢየን ዝኣረገ ክንቲተን ኣርጊፈን ብኻልእ ሓድሽ ዝትክእኦ። ነቲ ዝኣረገ ክንቲት ብሓድሽ ንምትክኡ ዝወስደለን ግዜ ድማ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ሳምንታት ኢዩ። እቲ ዝኣረገን ዝረገፈን ክንቲት ብኣግኡ ስለ ዝትካእ ከኣ፡ ሻቡ ክነፈራን ህይወተን ክመርሓን ይረኣያ።

ገለ ኣብ ማይ ዝነብራ ዓይነት ኣዕዋፍ፡ ከም ደርሆ ማይ ግና፡ ኩሎም’ቶም ንምንፋር ዝጠቕምዎም ክንቲት ብሓንሳብ ኣብ ሓደ እዋን ስለዝረግፉ፡ ክሳብ ዝትክኡ ከይነፈራ ንሓደ ወርሒ መመላእታ ይጸንሓ። ኣብ ከምዚ እዋን፡ እተን ኣዕዋፍ ህይወተን ንምዕቃብ ኣብ ውሑስ ከባቢ ተሓቢአን ይጸንሓ። ኣዕዋፍ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝሃብተመ ደም ይውንና። ኣዕዋፍ ምስ ግዝፊ ኣካላተን ብምዝማድ፡ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝገዘፈ ልቢ ይውንና። ምስ ካልኦት እንስሳታት ብምዝማድ ትርግታ ልቢ ኣዕዋፍ ዝበዝሐ ኢዩ። ሓደ ሓደ እዋን ልቢ ዑፍ ኣብ ደቂቕ ክሳብ 600 ግዜ ትሃርም፡ ናይ ወዲ ሰብ ብገምጋም ኣብ ደቂቕ 72 ግዜ ኢያ ትወቅዕ። ዝበዝሐ ህርመት ልቢ ማለት ብብዝሒ ኦክስጅን ዝሓዙ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ይጭንጒዑ ኣለዉ ማለት ኢዩ። በዚ ድማ፡ ኣዕዋፍ ዝሃብተመ ደም ዝውንና እንስሳታት ተባሂለን ይግለጻ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x