ንእሽተይ ማዕበል

እዚ ዛንታ ናይ ሓደ ንእሽተይ ማዕበል እዩ፣ እዚ ንእሽተይ ማዕበል ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስ ወጺኡ ናብዝን ናብቲን እናበለ። ነቲ ጥዑም ንፋስን ንጹህ ኣየርን የስተማቕር ነበረ፣ ቅድሚኡ ዝነበረ ማዕበል ኣብ ገምገም መሬት ምስ ዝነበረ ከውሒ ክራጸም ምስ ረኣየ። እቲ ፍሱህ ገጹ ተደወነ፣ “ኦ ኣምላኸይ! እንታይ’የ ክኸውን? ኣንታ ትርኢዶ ኣለኻ?” እናበለ ብፍርሒ ተጐብአ፣ ማዕረኡ ሓደ ካልእ ማዕበል መጽአ፣ ነዚ ቀዳማይ ንእሽተይ ማዕበል ገጹ ጸለሎ መሲሉ ምስ ረኣዮ ኸኣ። “ዝሓዘንካ ትመስል?” በሎ፣ “ኣይርደኣካን ድዩ ዘሎ! ኵልና ኣብቲ ከውሒ ክንጋጮ ኢና፣ ኵልና ማዕበላት ነበረያ-ነበረ ክንከውን ኢና፣ እዋይ ኣነ!” እናበለ ኣስቈንቈነ፣ እቲ ዳሕረዋይ ማዕበል ከምዚ ክብል መለሰሉ፥ “ኣይተረዳኣካን! ከምዚ ትሓስቦ ኣይኰነን፣ ኵላትና ኣካል ናይዚ ውቅያኖስ ኢና፣”

***

ህይወትና ከምቲ ውቅያኖስ እያ፣ እቶም ኵሉ ሳዕ እንገብሮም ፈተነታት ከኣ ኣካል ናይ ህይወትና እዮም፣ ክዀነልና ኢልና ንጽዕር፣ ጽዒርና ዘይንዕወተሉ ግዜ ኣሎ፣ ዘይምዕዋትና ውድቀት ኣይኰነን፣ “ወዲቐ!” ኢሉ ምትንሳእ ዝኣቢ’ዩ ውዱቕ፣ ፈተነ መብልሒና እዩ፣ ብእኡ ንጽረብ። ብእኡ ንበስል። ብእኡ ብቑዓት ንኸውን፣ ኣብ ፈተና ምውዳቕ መወዳእታ ኣይኰነን፣ መጀመርታ ናይቲ ሓደ ድሒሩ ዝስዕብ ፈተና እዩ፣ ዓለም ከባብ እያ፣ እቲ መወዳእታ ዝመሰለና። መጀመርታ ኰይኑ ክጸንሕ ይኽእል እዩ፣ ከምኡ ድማ እቲ መጀመርታ ዝመስለና መወዳእታ ኰይኑ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ፣

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x