ተስፋ ዘይ ሙቕራጽ – ታሪኽ ሂወት ሳንድረስ – ወናኒ KFC

“ዕዉታት ኣየቋርጹን እዮም። እቶም ዘቋርጹ ከኣ ኣይዕወቱን እዮም” እትብል ረዛን ኣበሃህላ ናይ መን ምዃና ኣይዝክራን። እንተዀነ ከምዛ እትስዕብ ዛንታን መሰልታን ክሰምዕን ከንብብን እንከለኹ ወርትግ’ያ እተተሓሳስበኒ። ብዙሓት ካባና ዛንታ ኣብነታውያን ዕዉታት ክሰምዑ ባህ ይብሎም – ሓቆም። ብወገነይ እቲ ዓወት’ውን ሕብሪ ዘለዎ እመስለኒ። እቲ ኣነ ‘ሕብሪ ዘለዎ ዓወት’ ዝብሎ ንጉዕዞ ዓወት ብኽልቲኡ ገጻት፡ ማለት ገጻት ምውዳቕን ምትንሳእን ዘርኢ ምስ ዝኸውን’ዩ። እዛ እትስዕብ ዛንታ፡ ሳንደርስ ናይ ዝተባህለ ሽሕን ትሽዓተን ግዜ ድሕሪ ምፍሻሉ ዝተዓወተ ሚልዮነር ክኸውን ዝበቕዐ ሰብ’ያ እተዘንቱ። ሓደ ካብቲ ንዛንታ ሳንደርስ ኣደናቒ ዝገብሮ ምኽንያት፡ ወዲ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ንግዲ ጠፊሹ ሳንቲም ቀያሕ ዘይብሉ ተረፉ ነይሩ። ማዕጾታት ህይወት ዝተዓጽወ ስለዝመሰሎ ነብሰ-ቅትለት ክፍጽም ሓሳብ ነይሩዎ። እንተዀነ፡ እቲ ኹሉ ዝሓለፎ ጉዕዞ ዓቢ ተመኲሮ ምንባሩ ስለዝተሰወጦ – ነብሱ ናይ ምቕታል ሓሳብ ኣዋደቖ።

KFC | The Colonel's Story Timeline | The Life of Harland Sanders

ሳንደርስ ኣብ 1890 እዩ ተወሊዱ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰነ ኣቦኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮ። እታ ክሳብ ሽዑ ስራሕ ገዛ ጥራይ እትሰርሕ ዝነበረት ኣዲኡ፡ ደቃ ንኸተዕቢ ግዳም ወጺኣ ክትሰርሕ ነበራ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሳንደርስ ነኣሽቱ ኣሕዋቱ ኣብ ምሕላውን መግቦም ኣብ ምድላውን ተዋፈረ። ሻብዓይ ዓመቱ ምስ ደፈነ ጽቡቕ ገይሩ መግቢ ከዳሉ ዝኽእል ኰነ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝነበረ ሓረስታይ በዓል ውዕለት ኰይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዲኡ ናብ ካልእ ሰብኣይ ተመርዓወት። ምስ ሰብኣይ ኣዲኡ ፍጹም ክቃዶ ስለ ዘይከኣለ ትምህርቱ ኣብ ሻብዓይ ክፍሊ ብምቊራጽ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ቤቱ ሓደገ።

ኣብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ፡ ሰረገላታት ፈረስ ሕብሪ ናይ ምልካይ ስራሕ ስለዝረኸበ፡ ናብ ክፍለ ሃገር ኢንዲያና ብምኻድ ንኽልተ ዓመታት ሰርሐ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመቱ ንሓቀኛ ዕድሚኡ ክልተ ዓመታት ብምውሳኽ ሃገራዊ ግብኡ ኣብ ኲባ ፈጸመ። ሳንደርስ ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመት ምስ መልአ፡ ኣብ መንገዲ ባቡር እናሰርሐ እንከሎ ምስ ጆሴፊን እተባህለት መንእሰይ ተላለየ’ሞ፡ ምስኣ ቃል ኪዳን ኣሰረ። ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን’ኳ እንተወለዱ፡ እቲ ወዲ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ተጐዲኡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢሊኖይስ ናይ መገዲ ባቡር ስራሕ እኳ እንተረኸበ፡ ምስ መሳርሕቱ ብዘይምቅዳዉ ካብ ስራሕ ተሰጐጐ። ሰበይቱ ኸኣ ደቃ ሒዛ ገዲፋቶ ናብ ስድርኣ ከደት። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከሎ ኸኣ’ዩ፡ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ብርሕቀት ክከታተልን በቲ ሞያ ክሰርሕን ዝጀመረ። እንተዀነ ንስራሕ ሕጊ’ውን ምስ ሓደ ካብ ዓማዊሉ ድሕሪ ምብኣሱ ገደፎ። ናብ ኣዲኡ ብምኻድ ከኣ፡ ናብ ስራሕ መገዲ ባቡር ተመልሰ።

እንተዀነ ካብዚ’ውን ተሰጐጐ ድኣ። ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት ዕድሚኡ፡ ትካል ምጽጋን ጃልባ ከፈተ’ሞ ብኡ ንብኡ ጽቡቕ መኽሰብ ረኸበ። ብዝረኸቦ ዕስራን ክልተን ሽሕ ዶላር ኣታዊ – ትካል ምስራሕ ኣምፑል (ልቺ) እኳ እንተኸፈተ ኣብዚ’ውን ከሰረ። ድሕሪ እዛ ፍጻመ ሳንደርስ ብዘይውዓል ሕደር ናብ ዊንቸስተር ኩንቲኪ ብምግዓዝ፡ ኣብ ስራሕ ሸቐጥ ተዋፈረ። ኣብዚ ስራሕ እዚ’ውን ንኽስጐግ ግዜ ኣይወሰደን። ብ1930 ብሓንቲ ናይ ነዳዲ ዘይቲ ትካል፡ ክራይ ዘይከፍለሉ ቦታ ምስ ተዋህቦ ስጋ ደርሆን ካልእ ዝተፈላለዩ መግብታትን ኣብ ምድላው ነጠፈ። ስርሑ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ መላእ እታ ኲንቲኪ ፍሉጥ ክኸውን በቕዐ። ዓሰርተው ሓደ ቀመማት ብምሕዋስ ዘዳልዎ ዝነበረ መግቢ ኣብ ዓማዊሉ ልዑል ተቐባልነት ስለዘውሃቦ ናብርኡ ርኡይ ምምሕያሽ ኣርኣየ። በዚ ተሓጊዙ ኸኣ፡ ኣብ ኮርቢን እተባህለት ንእስ ዝበለት ከተማ ምጥን ዝበለ ሆቴል፡ እንዳ ሻሂ፡ ትካል ሓፈሻዊ ጽገና ክኸፍት ከኣለ። ክላውዲያ ንእተባህለት ሰብ፡ ማናጀር ኣብ ሰሜን ኮርቢን ናይ ዝነበረ ቤት-መግብን ሆቴልን ሸይሙ፡ ንባዕሉ ኣብ ካልእ ከተማ ኣብ ዝነበረ ካፋተርያኡ ከም ተሓጋጋዚ ማናጀር ብምዃን ሰርሐ። ኣብ 1947 ነታ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ምፍትሑ ንክላውዲያ ኣብ 1949 ተመርዓዋ። ኣብ 1952 ሳንደርስ ንመጀመርያ ግዜ ቅልዋ ደርሆ ንኸዳሉ ፍሉይ ፍቓድ ተዋህቦ። ዝተፈላለያ ኣብያተ-መግቢ ነዚ ፍርያት ቅልዋ ደርሆ ‘ንዓይ ንዓይ’ ክብላኦ ስለዝጀመራ እቲ ትካል ስሙ ሰማይ ክዓርግ ግዜ ኣይወሰደሉን። እንተዀነ ሕጂ’ውን ህይወት ምስ ሳንደርስ ጭርጭር ዓበደ ካብ ምጽዋት ዓዲ ኣይወዓለትን። ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት መሸጣ ትካላቱ ብናህሪ ከንቈልቁል ጀመረ።

ዝነበሮ ዕዳ ንምኽፋል ዘለዎ ዘበለ ንብረት ሸጠ። ወዲ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኰነ፡ እግሩ ተሰይሩ ብትካል ማሕበራዊ ድሕነት 105 ዶላር ብመልክዕ ቸክ እናተዋህቦ ክእለ ጀሚሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕሉፍ ተመኲሮታት ብዕምቈት ድሕሪ ምፍታሹን ምስ ነብሱ ድሕሪ ዝገበሮ ነዊሕ ምይይጥን፡ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ መግቢ መረቕ ክሸይጥ ወሰነ። ዓማዊል ንምርካብ ከኣ ዳርጋ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዞረ። ይኹን እምበር ብዘይ ገለ ሞያ ነዊሕ ግዜ ተጓዕዘ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ግን እዚ ንግዲ’ዚ ዕዉት ኰይኑስ ክሳብ 3.5 ሚልዮን ጽሩይ መኽሰብ ረኸበሉ። ወዲ 88 ዓመት ምስ ኰነ፡ ትካሉ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዕብየቱ በጺሑስ ቢልዮነር ኰነ። እቲ ትካል ክሳብ ሕጂ ዓቢ ስም ዘለዎ ትካል’ዩ። ግዜ እርጋኑ ምስ ክላውዲያ በዓልቲ ቤቱ ብሓጐስ ዘሕለፈ ሳንደርስ፡ ኣብ 1980 ኣብ መበል 90 ዓመቱ ነዛ ዓለም ተሰናበታ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዂን ኩነት፡ ኢድካ ዘይምሃብን ወትሩ ትስፉው ምዃንን ጽንኩር እዋን ንኽትሰግር፡ ዋላ እንተወደቕካ ዳግማይ ንኽትትንስእ ኣየጸግምን። ህይወት ቃልሲ እያ ሽሕ ግዜ ውደቕ ተስፋ ግን ኣይትቚረጽ!!!

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x