ምስ ሰባት ተሳኒኻ ኽትነብር ዘለካ ክእለት ከመይ ኢዩ?

ምስ ስድራኻ ወይ መሳርሕትኻ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ኣዕሩኽትኻ ተሳኒኻ/ ተቓዲኻ ምኻድ ሕጉስን ልኡምን ህይወት ክትመርሕ ከም ዝሕግዘካ ኩልና ንሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ምስ ሰባት ተሳኒኻ/ ተቓዲኻ ክትከይድ ዘለካ ክእለት ከመይ ዝበለ ኢዩ ንምግምጋም፡ ነዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሕቶታት ብምምላሽ ነብስኻ ፈትሽ፦ ነቶም ሕቶታት “ሓቂ ኣይኮነን” ኢልካ እንተመሊስካ 1 ነጥቢ “ሓደ ሓደ ግዜ ሓቂ ኢዩ” ኢልካ እንተመሊስካ 2 ነጥቢ “ዝበዝሕ ግዝ ሓቂ ኢዩ” ኢልካ እንተመሊስካ 3 ነጥቢ “ኩሉ ግዜ ሓቂ ኢዩ” ኢልካ እንተመሊስካ ድማ 4 ነጥቢ ሃቦም።

  1. ኣነን ስድራይን ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባና ከይሓባእና ብጋህዲ ንዘራረብ።
  2. ኣብ ነንሕድሕድና ልዑል ምትእምማን ኣለና።
  3. ቀዳምነታት ክንህቦ ኣብ ዝግባእ ነገራት ብዘይጸገም ተረዳዲእና ንኸይድ።
  4. ንዝኾነ ንምነዮ ነገራት ወይ’ውን ኣብ መጻኢ ክገጥመና ንዝኽእል ነገራት፡ ብዝግባእ ክንገጥሞ ከም እንኽእል ኣብ ነንሕድሕድና ምሉእ ምትእምማን ንገብር።
  5. ውልቃዊ ዕብየት ኣብ ዝምድናና ወይ ርክብና ኣገዳሲ ቦታ ንህቦ። ነንሕድሕድና’ውን ኣይንቀናናእን።
  6. ብጻየይ ዝኾነ ለውጢ ዋላ ኣየምጽእ ኣነ ምስኡ ዘለኒ ዝምድና ኣይበትኽእን ኢየ።
  7. ውልቃዊ ሽግራትና ቅድሚ ዝኣገረ ነንሕድሕድና ብዝግባእ ተመያይጥና መፍትሒ ነናድየሉ።
  8. ኣብ መንጎና ልዝብን ምርድዳእን ክህሉ ኣበርቲዕና ንጽዕር።
  9. ኣብ ቅድሜና ዘጋጥመና ጸገማት ንምብዳህ ብቕንዕና ንቃለስ።
  10. ደረቕ፡ ስልኩይን ስራሕ-ኣልቦን ከይንኸውን ብዝለዓለ መልክዑ ንጽዕር።
  11. ኩሉ ድሌታትና በቲ ቅኑዕን ግቡእ መልክዑን ንክኸደልና ዝከኣለና ንሰርሕ።
  12. ሕዉስ ናይ ምዃን ባህርን ብሕቱው ናይ ምዃን ድሌትን ኣመዓራሪና ክንከይድ ንፍትን።
  13. ኩልና መሓዙት ክህልዉና ንደሊ፡ መሓዙትና ብዝግባእ ክንሕዞም ድማ ንመርጽ።
  14. ወላ ሓደ ካባና ወዲቑ ወይ ተንሲኡ ንነዊሕ እዋን ክንጸንሕ ኣይንደልን ኢና። እቲ ሓደ ክምዕብል እንከሎ ነቲ ካልኣዩ ምስኡ ከሰጒሞ ንመርጽ።
  15. ነንሕድሕድና ብዝግባእ ንጸዋወር ኢና።
  16. ተስፋ ከይንቘርጽን ከይስልክየናን ነንሕድሕድና ንደጋገፍ።
  17. ክልቴና ወገናት ንዝገጥመና ውድቀት ብዝግባእ ንጽመምን ንጻወርን።
  18. ክልቴና ሕርቃን ብዝግባእ ናይ ምቚጽጻር ክእለት ኣለና።
  19. ክልቴና ንነገራት ኣረጋጊጽና ክንዓዮ ንመርጽ።
  20. ውልቃዊ ከባቢታትና ብኸመይ መንገዲ ክንሕዞ ከም ዘለና ክልቴና ብዘይጸገም ንሰማማዕ።

ካብ 20 ክሳብ 35 ነጥቢ እንተረኺብካ፡ ንስኻ ምስ ስድራኻን መሓዙትካን ዘለካ ምስምማዕ ልሕሉሕ ኢዩ። ሕጉስ ህይወት ከተሕልፍ፡ ምስ ሰባት ዘለካ ባህሪ ንኸተመሓይሽ ጸዓር። ኣብ መንጎኻን ስድራኻን እተካይዶ ዝርርብ ወይ ርክብ ኣብ ክንዲ ጎነጻዊ ክእለት ዝተሓወሶ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስተብህል። ካብ 36 ክሳብ 55 ነጥቢ እተረኺብካ፡ ምስ ስድራኻ ተሳናዪ ወይ ተቓዳዊ ክትከውን ምእንቲ ህዱእን ልኡምን ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ክትከውን ፈትን። ነዚ ንምግባር ዘለካ ንቕሓት ከተዕቢ ክኢላታት ወይ ውን መጻሕፍቲ ተወከስ። ካብ 56 ክሳብ 70 ነጥቢ ምስ እተዋህልል፡ ምስ ስድራኻ ተሳኒኻ ክትከይድ ዘጸግመካ ነገር የለን። ከምኡ ንኽትቅጽሎ ዝግባኣካ ጻዕሪ ከተካይድ ግን ይግባእ። ካብ 71 ክሳብ 80 ነጥቢ እንተምጺእካ፡ ምስ ስድራኻ ተሳኒኻ ናይ ምንባር ዘለካ ክእለት ምሉእ ዘይጉዱል ኢዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x