ኣገረምቲ ሓቅታት

– የማናይ ኣእዳው እንተዄንካ ብየማናይ ሽነኽ ኣፍካ ኢኻ ትሕይኽ። ጸጋማይ እንተዄንካ ድማ ብጸጋማይ ሸነኽ ኣፍካ።

– ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ ኣፍ ሰብ ዘሎ ብዝሒ ባክተርያ ይበዝሕ።

– ኣብ ገለ ሃገራት ንኽፍልታት ኣካል ብምርኣይ ጥራይ መጻኢ ዕድል ወዲ ሰብ ምትንባይ ከም ዝከኣል ይእመንን ይስረሓሉን። እምበኣር ንኣፍልጦኹም ጉምቦ ኢድካ ናይ ምንባብ ጥበብ “ኪሮማንሲ”፡ እግሪ ናይ ምንባብ ጥበብ “ኦምፋልማንሲ”፡ ከብዲ ናይ ምስማዕ ጥበብ ድማ “ጋስትሮማንሲ” ይበሃል።

– ታይኮ ብራህ እተባህለ ደንማርካዊ ተመራማሪ ኣስትሮኖመር ብሰንኪ ናብ ሽቓቕ ከይዱ ምሻን ተነፊሑ እዩ ሞይቱ። ከምዚ እዩ፡ ኣብ 16 ክ/ ዘመን መኣዲ ሓዲግካ ምኻድ ከም ዓቢ ነውሪ ይሕሰብ ነበረ። እቲ ሰታይ ምዃኑ ዝንገረሉ ብራሀ ድማ ምሉእ ምሸት መስተ ክሕንፍፎ ኣምስዩ፡ ኣመት ምሻኑ ከይገበረ መኣዲ ይቕረብ። ኣብቲ መኣዲውን እንተኾነ ምስታዩ ኣየቋረጸን። ሽንቲ መጺእዎ። ይቕሬታ ሓቲቱ ከይትንስእ፡ ምሒር ተሰኪፉ። ንነዊሕ ተጸሚሙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታኡ ፍሕኛኡ ነተጎ። ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት ድማ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃንዛ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለየ።

– ጀይምስ ተምፕልማን ክውለድ ከሎ ምንም ኣእዳው ኣይነበሮን። ተምፕልማን በዚ ተስፋ ኣይቆረጸን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብልዑል መዓርግ ተመሪቑ። ኣብ ኮምፒተር ብዝገበሮ ምብልሓት ንኹሉ ሰብ ኣስደሚሙ። ንሱ ኩሉ ንጥፈታቱ ብኽልተ ኣእጋሩ እዩ ዝገብሮ። በእጋሩ ይበልዕ፡ በእጋሩ ይሰቲ፡ በእጋሩ ይጽሕፍ፡ በእጋሩ ማኪና ይዝወር፡ በእጋሩ ጭሕሙ ይላጸ፡ በእጋሩ ይስእል. . . ።

– መልክዕ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝመሳሰል ኣስተብሂልኩምዶ ኣለኹም? ካብ ባዶ ተበጊስኩም ኣይኮንኩምን። በዓል ሞያ ስነ

-ኣእምሮ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ሮበርት ዛጃንክ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ምርምር፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር ዝተቐመጡ ሰብኣይን ሰበይትን ውዒሎም ሓዲሮም እናተመሳሰሉ ከም ዝመጹ ይሕብር። እቲ በዓል ሞያ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ብፍቕርን ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ዝነብርሉ እዋን ኣብቲ ብሓባር ዝካፈልዎ ናይ ሓጎስን ሓዘንን ስምዒታት ተመሳሳሊ መልክዕ ከምዝቕረጾም እዩ ዝገልጽ። ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ምዝናይ ኣብ ገጾም ዘንጸባርቕዎ ምልክታት ክቀዳድሑ ስለዝፍትኑ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናብ ምምስሳል ገጹ ከምዘምርሖም እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x