እታ ለባም ማንቲለ

ሓደ እዋን እምብዛ ጨካንን ዓሻን ኣንበሳ ነበረ። ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ጫካ ዘሕምቖ ወይ ብሒም ኢሉ ዝዛረቦ ኣይነበረን። ቁሩብ ጥሜት እንተተሰሚዕዎ ንዝደለዮ እንስሳ ከይዱ ይበልዖ ነይሩ። ብእከይ ተግባራት ኣንበሳ ኩሎም እንስሳታት ብርቱዕ ፍርሂ ተሰምዖም። ስለ’ዚ ድማ በብወገኖም ሓቢሮም ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም ሓሰቡ። ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ክገብሩን ክማኸሩን ከኣ ተቛጸሩ። ኩሎም እንስሳታት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ምሰ ተኣከቡ ንኣያ ኣንበሳ’ውን ዓደምዎ። መኣከቢኦም ምኽንያት ምስ ሓተቶም፡ “ኣያ ኣንበሳ እንሳሳታት እናበላዕካ ክትነብር ፈጣሪ ዓዲሉካ’ዩ። እንተኾነ ካብ ዓቐን ንላዕሊ፡ ብዘይ ሓደ ምኽንያት እንስሳታት ትቐትል እንተኾይንካ፡ ኩሎም እንስሳታት ጸኒቶም ሓደ’ኳ ኣብ ዘይትረኽበሉ እዋን ክመጽእ እዩ፡” በለ ሓደ እንስሳ። ኣንበሳ ግን ኣየወድኦን። “እሞ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ?” ብምባል ኰለፎ። ሓደ ካልእ እንስሳ ድማ፡ “ኣቐዲምና ተዘራሪብና ኢና። ኣብ ምይይጥና መዓልታዊ ሓደ እንስሳ ክንህበካ’ሞ ንስኻ ከኣ ከም ደስ ዝበለካ ገይርካ ትበልዖ። ዝብላዕ እንስሳ ደሊኻ ኮለል ክትብል ካብ ትውዕል፡ ከይደኸምካ ኣብ ገዛኻ ከለኻ ኢና ከነምጽኣልካ።” ኢሉ ሓሳቡ ኣቕረበ። ኣንበሳ ብወገኑ፡ “ጽቡቕ ሓሳብ ኢኹም ሓሲብኩም። ሓሳብኩም ከኣ ተቐቢለዮ ኣለኹ። እንተኾነ፡ ኣብ ልክዕ ሰዓት ክቕረበለይ ኣለዎ። እንተዘየሎ ንኩልኹም …….” እናበለ መለሰ። እቶም እንሳታት ከኣ ምስ ሓሳቡ ተሰማምዑ። ካብ’ታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸኣ ሓደ እንስሳ ናብ ኣንበሳ ብምኻድ ክብላዕ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ለባም ማንቲለ ብኣንበሳ ክትብላዕ ተርትኣ ኣኸለ። ፈለማ ምኻድ ኣብያ ነይራ እያ። እንተኾነ ኩሎም እንስሳታት “ኪዲ! ኪዲ!” ኣገዲዶማ። እታ ማንቲለ ህይወታን ህይወት ናይቶም ኣብ’ቲ ጫካ ዝነበሩ ኩሎም እንስሳታትን እተድሕነሉ ብልሓት ክትሓስብ ጀመረት። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ’ታ ግብእቲ ሰዓታ ዘይኮነት ድንጉይ ኢላ ናብ ኣያ ኣንበሳ ክትከይድ ወሰነት።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x