ብተመራመርቲ ክፍለጡ ዘይተኻእሉ ባህርያት ወዲ-ሰብ

ተመራመርቲ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ከይዶም ድሕሪ ምድህሳስ፡ ኣብ ዓለም ዝተፈጥሩ ነገራት መበገሲኦምን እንታይነቶምን ክፈልጡ ክኢሎም እዮም። ኣብዚ ምድሪ ካብ ዘሎ ነገር ሓሊፎም’ውን ንወርሒ ክበጽሕዋ ክኢሎም እዮም። ብዘይካ’ዚ እውን፡ ዲ.ኤን.ኤ (DNA) ብምጽናዕ ካበይ ከምዝመጻናን መን ምዃናን ክፈልዩናን ክፈልጡናን ክኢሎም እዮም። እዚ ይኹን ደኣ እምበር፡ ተመራመርቲ ገና ክፈልጥዎ ዘይከኣሉ ሓያለ ባህርያት ወዲ-ሰብ ኣለዉ። እዞም ዝስዕቡ ከኣ እቶም ብሳይንስ ክግለጹ ዘይተኻእሉ ባህርያት ናይ ወዲ-ሰብ እዮም፦

ሕፍረት፥

ሓደ ካብቶም ትርጉሞምን መበገሲኦምን ክፍለጡ ዘይተኻእሉ ባህርያት ወዲ-ሰብ እዩ። እዚ ናይ ምሽቃል፡ ጽቡቕ ዘይምስማዕን ርእሰተኣማንነትካ ናይ ምጥፋእን ስምዒት፡ ሓደ ካብቶም ብምሕፋር ንገልጾም ስምዒታት እዮም። ሓደ ሰብ ምስ ዘይፈልጦ ሰብ ክቀራረብ ከሎ ዝስምዖ ናይ ምሽቑራር ስምዒት ሕፍረት ኢልና ንገልጾ። ሕፍረት፡ ሓደ ካብቲ ካብ ከባቢና ወይ ካብ ዝዓበናሉ ቦታ እነጥርዮ ባህሪ እዩ። እዚ ምሳና ዝዓቢ ባህሪ፡ ወላ’ኳ ተመራመርቲ መበገሲኡን ጠንቁን ክፈልጥዎ እንተዘይከኣሉ፡ ውጽኢት ናይቲ ልዑል ዓቐን ርህራሄ እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። ንሕፍረት ድማ እቲ ፍሉይ ባህሪ ናይ ወዲ-ሰብ እዩ ይብሉዎ። ሓደ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝሓፍር፡ ካብ ውሽጡ ብዝፍጠር ናይ ጭንቀት ስምዒት ኣብ ገጹ ክርአ ይኽእል።

ጥበብ፥

ሓደ ካብቶም ብተመራመርቲ ክፍለጡ ዘይተኻእሉ ዘለዉ ክእለትታት ናይ ወዲ-ሰብ እዩ። ንጥበብ ድማ እቲ ዝኾነ ሰብ ምስ ደለዮ ከምጽኦ ዝኽእል ባህሪ ኣይኮነን ኢሎም ይገልጽዎ። ቅብኣ፡ ሳዕስዒትን ቅርጻ ቅርጺን እቶም ወዲሰብ ብተፈጥርኡ ክውንኖም ዝኽእል ባህርያት ወይ ጥበባት እዮም። እዞም ደሊኻ ከተምጽኦም ዘይትኽእል ጥበባት እዚኣቶም ካበይ ከም ዝመጹ ክፈልጡ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ብድብድቡ ተውህቦ እዩ ኢሎም ገዲፈሞ ኣለዉ። ዕድመ ብጽሕና ወይ ግርዝውና፥ እቲ መተሓላለፊ መድረኽ፡ ወይ ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሱን ኣተሓሳስቡኡን ለውጢ ዘምጻኣሉ ደረጃ እዩ። ገለ ተመራመርቲ ነዚ ዕድመ ብጽሕና፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ ኣብቲ ናይ ብጽሕና ወይ’ውን ጉብዝና ደረጃ ምብጽሑ ንዝሕዞ ሓላፍነት መፈተኒ እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። እዚ ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብዚ ዕድመ’ዚ ዘጋጥም ዕቤት ናይ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም ዝመጽእ ተመራመርቲ ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።

ልግሲ፥

ጽቡቕ ምግባር ሓደ ካብቲ ባህርያት ናይ ወዲ-ሰብ እዩ። ስለምንታይ እዩ ሓደ ሰብ ለጋስ ዝኸውን ክፍለጥ ኣይከኣልን እዩ። ልግሲ፡ ንድሕነት ናይ ሓደ ሰብ ዝግበር ንጥፈት እዩ። ኣብ ዝበዝሑ ባህልታትን ሃይማኖታትን፡ ልግሲ ከም ጽቡቕ ግብሪ እዩ ዝውሰድ። ምስዓም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ልምድታትን ብምሙርኳስ ዝተወስደ ገምጋም፡ ምስዓም መግለጺ ፍቕሪ፡ ክብሪ፡ ሰላምታ፡ ምሕዝነት፡ ሰላምን ጽቡቕ ዕድልን ኮይኑ’ዩ ተረኺቡ። እዚ ኣተሓሳስባ ወይ’ውን ርድኢት ግን ንተመራመርቲ መበገሲኡ ክንጽረሎም ኣይከኣለን ዘሎ።

ሕልሚ ፥

ኣብ ግዜ ድቃስና ዝረኣዩና ስእሊታት፡ ዝስምዑና ድምጺታት፡ ወይ’ውን ካልእ ስምዒታት እዮም። ሕልሚ፡ መስርሕ ናይቲ ኣብ ግዜ ድቓስና ዝኽሰት ከቢድ ሓሳብ እዩ።a

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x