ትርጉም ሕብርታት ዕንባባ (ፊዮሪ)

ዕንበባታት ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ኣለዎም። ነፍሲ-ወከፍ ዕንበባ ብዓይነቶምን ሕብሮምን ነናቶም መግለጺታት ይወሃቦም። ቀይሕ ዕንበባ ቀይሕ ሕብሪ ብመሰረቱ ኣነቓቓሒ፡ ንስምዒታትካ ዝቕስቅስ ሕብሪ እዩ። ቀይሕ ሕብሪ ኣብ ዕንበባ ከም መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዝፍለጥ።

ቀይሕ ዕንበባ ትብዓት፡ ጅግንነት፡ ኣኽብሮት፡ ጽንዓት፡ ኣድናቖትን ድሌትን ይገልጽ።

ሮዛ ዕንበባ ሃሳስ ወይ’ውን ፈኩስ ሮዛ ሕብሪ ናይ ዕንበባ፡ ንሕያውነት፡ ሓጎስን ፍቕርን ይገልጽ።

ኣዝዩ ውቁብ ሮዛ ዕንበባ’ውን ከም ተወሳኺ መግለጺ የዋህነት፡ ውቃበን ግርማን እዩ ዝውሰድ።

ሰመያዊ ዕንበባ እዚ ምልክት ሰላም ዝኾነ ሕብሪ፡መግለጺ ህድኣትን ግሉጽነትን እዩ።

ኣዝዩ ምዕሩግ ሰመያዊ ዕንበባ፡ “ህድእ በል፡ ጭንቀት ኣወግድ” ንዝብሉ ሓበሬታታ ንምግላጽ ይጠቅም።

ጻዕዳ ዕንበባ ጻዕዳ ሕብሪ ኣብ ዕንበባ መግለጺ ኣኽብሮት፡ ትሕትናን ምእዙዝነትን እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንንጽህናን ቅንዕናን ይውክል። ብዘይካ’ዚ፡ ትርጉም ጻዕዳ ዕንበባ ኣብ ዓይነት ወይ ኣብ ጽባቐ ናይቲ ዕንበባ’ውን ይምርኮስ እዩ። ሓንቲ ጻዕዳ ዝሕብራ ሕቋፍ ዕንበባ ደማቕን ጽብቕትን ምስ እትኸውን፡ ንኣኽብሮት እያ እትገልጽ።

ብጫ ዕንበባ ብጫ ሕብሪ መግለጺ ሓጎስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሓንቲ ሕቋፍ ዕንበባ ደማቕን ጽብቕትን ምስ እትኸውን ንምሕዝነት ድሉው ምዃን ትገልጽ። ዕንበባ ብዘይካ’ዚ፡ ብጫ ዕንበባ ዓወትን ክብርን ንምስትምቓር ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ በዚ ሕብሪ’ዚ ኣቢልካ ሓጎስካ ክትገልጽ ከም እትኽእል እዩ ዝንገር።

ኣራንሾኒ ዕንበባ ኣራንሾኒ ሕብሪ፡ ደሚቕ ብምዃኑ መግለጺ ናይ ምሉእ ሂወት እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣራንሾኒ ሕብሪ ኣብ ሕቋፍ ዕንበባ ውዕዉዕ ስምዒት ይፈጥር።

ቀጠልያ ዕንበባ ትስፉው ናይ ሓደ ነገር ምሕዳስ ይውክል። ቀጠልያ ሕብሪ ኣብ ሕቋፍ ዕንበባ ንጽቡቕ ዕድልን ምሉእ ጥዕናን’ውን ይገልጹ እዮም።

ሊላ ዕንበባ እዚ ናይ ንግስነታዊ ሕብሪ፡ መግለጺ ክብረት፡ መዓርግ፡ ግርማ፡ ልምድን ዓወትን እዩ። ኣብ ሕቋፍ ዕንበባ፡ ሊላ ሕብሪ መግለጺ ኣድናቖትን ኣምልኾትን ከም ዝኾነ ይግለጽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x