ንነብሰጾር ክንብላን ከይንብላን ዝግበኣና

ግዜ ጥንሲ ንሓንቲ ነብሰጾር ካብቲ ንቡር ኣካይዳ ህይወታ ኣውጺኡ ናብ ሓድሽ ዓለም ዘእትዋ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ድማ በኳር ምስ እትኸውን። ብሰንኩ ዝመጽእ ዝተፈላለየ ናይ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕናውን ለውጥታት፡ ዝተፈላለዩ ነውጽታት ከኸትለላ ይኽእል እዩ። ምናልባት ካብዚ ብምብጋስ ክኸውን ይኽእል፡ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ጥዕና ደቀንስትዮ ዝግደሱን ሰባት፡ ብፍላይ ምስ ነብሰ-ጾር ኣብ እንገብሮም ዕላላት ይኹን ምብህሃላት ጥንቃቐ ከነዘውትር ይምዕዱና። ምኽንያቱ፡ መልስታትና ይኹን ቃላትና ኣሉታዊ ጽልዋታት ከሕድረላ ስለ ዝኽእል። ብዙሕ ግዜ “እቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ ነገራት፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ኣይትፈጽሞ” ክበሃል ኢና እንሰምዕ። እዚ ከኣ፡ ወላ እቲ ንዓና ክበሃለና ዘይንደልዮነገራትንኻልኦት ክንብሎ ከም ዘይግባኣና’ዩ ዘጠቓልል። እዚ ማለት፡ ቅድሚ ምዝራብና ወይ ከኣ ዝኾነ ነገር ምፍጻምና ክልተ ግዜ ክንሓስብ ከም ዘለና’ዩ ዘጠንቅቐና። እምበኣርከስ እቲ ንሓንቲ ነብሰ-ጾር ክንብሎን ዘይክንብሎን ዝግባኣና ነገራት ዝምዕድን ዘጠንቅቕን ነጥብታት ብሃውሪ ዝመጸ ዘይኮነስ ካብኣብብዙሓት ነብሰጾራት ኣብዚ ጉዳይ ኣተኵሮም ካብ ዝተገብሩ ደቀቕቲ መጽናዕትታት እዩም’ሞ እሰከ ንርኣዮም፡- ክንብላ ዘይግባኣና ንነብሰጾር ክንብላን ከይንብላን ዝግበኣና

  • ነብሰጾር’ያ ኢልና ዝጠርጠርናያ ጓለንስተይቲ፡ ሃንደራእ ኢልና ነብሰጾር ምዃናን ዘይምዃናን ክንሓታ ኣይግባእን። ግዜ እናወሰኸት ምስ ከደት ነብሳ ባዕሉ ክምስክረላ’ዩ። ነብሰጾር ምዃና ምስ ፈለጠት፡ ንዘቕረበቶም ሰባት ከም መርኣያ ሓጐሳ ባዕላ ክትነግር ክትጐዪ’ኳ ትኽእል እንተኾነት፡ በዚ ሕቶ ግን ብዙሓት ነብሰ-ጾራት ጽቡቕ ከም ዘይስመዐን እዮም ብዙሓት መጽናዕትታት ዝገልጹ።
  • ነብሰ-ጾር’ያ ኢልና ዝጠርጠርናያ ጓለንስተይቲ፡ ብናይ ምግራምን ኣድናቖትን ኣጣምታ ዓይኒ ጌርና ክንጥምታ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣጣምታና ዋላ ከይሓሰብናዮ “ሕጂ ከኣ ጠኒስኪ” ወይ “ኣንቲ እንታይ ኢኺ ጸጸኒሕኪ ጥብ ጥብ ትብሊ፣ ዘለዉኺ ዘይኣኽሉኺ ወዲአ እንዶ ኣይበልክን” ንብል ከምዘለና ጌሮም ከስምዑዋ ስለዝኽእሉ።
  • ንሓንቲ ነብሰ-ጾር “እዉዉ… እእእም… ኣንቲ ክንድ ምንታይ ኢኺ ኴንኪ?” ክንብላ ፍጹም ኣይግባእን። ትንፋስ ዘለዎ ሰብ ተሰኪማ ዘላ ነብሰ-ጾር ክንዲ ምንታይ ክትከውን ንጽበ? ከምኡ ምባልና ኣኽፊእኪ፡ ጽቡቕ የለኽን ዘስምዕ እዩ።
  • “እዚ ተጠኒሱ ዘሎ ወዲ ድዩ ጓል? እንታይ ኢኺ’ኸ ትደልዪ” ዝብሉ ሕቶታት ብዙሓት ነብሰ-ጾራት ዘይፈትዋኦ ሕቶ እዩ። እንተስ ወዲ እንተስ ጓል፡ ግዜኡ ኣኺሉ ምስ ተወልደ ክንርእዮ እንዲና፡ ጓል ይኹን ወዲ ንሳ ብሰላምን ጥዑይ ህጻንን ክትገላገል’ያ እትደሊ’ምበር ጾታ ኣይኮነን እቲ ብዙሕ ዘገድሳ። ስለዚ፡ ብዙሕ ብሕቶ ኣይነዋጥራ።
  • “እዋይ ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ግዜ ጥንስኽስ ከብድኺ ክንድዚ ድዩ ነይሩ ምግዛፉ ወይስ ሕጂ እዩ?” ዝብል ሕቶ’ውን ኣብ ኣከዳድናኣን ኣመጋግባኣን ኣሉታዊ ጽልዋታት ከስዕበላ ስለ ዝኽእል ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ኣገባብ ኣበሃህላ’ዩ። ክንብላ ዝግባኣና
  • መጀመርያ ነቲ ጽቡቕ ዜና ምስ ሰማዕና እንቋዕ ሓጐሰኪ፡ ንሕና ሕጕሳት ኢና ብኣኺ” ንበላ።
  • እንታይ ክንሕግዘኪ ከይበልና ሓገዝና ንለግሰላ (ብቓላትን ተግባርን)። ነብሰ-ጾር ብዙሕ ሓገዝ ከምዘድሊያ ከይሓተትና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ።
  • ወላ ኣመና ገዚፋ እናረኣናያ “እዋይ ከጸብቐልኪ፡ ብጣዕሚ ሕጕስቲ ኣለኺ” እናበልና ከነተባብዓ ምኽኣል ድማ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ እወታዊ ተራ ኣለዎ። *
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x