ተምሪ ንጥዕና

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ተምሪ ምስ ተረኽበ፡ ወዲ ሰብ ከም ፈውሲ ኢዩ ዝግልገለሉ ነይሩ። መጽናዕትታት ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ገረብ ተምሪ ንፈለማ እዋን ኣብ ዒራቕ’ኳ እንተተረኽበ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ግና ነቲ ፍረ ኣቐዲሞም ከም መስርሒ ነቢት ይጥቀምሉ ነይሮም። ብንግዲ ድማ፡ ተምሪ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤስያ፡ ስጳኛ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ድሒሩ ናብ ሜክሲኮን ካሊፎርኒያን ኣስፋሕፊሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ቀንዲ ምንጪ መግቢ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ክሳብ 30 ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ተምሪኣለዉ። ብዘለዎም ትሕዝቶን ሽኮራውነቶምን ድማ ይፈላለዩ። ተምሪ ልዑል ትሕዝቶ ሽኮር ስለ ዘለዎ ሓያሎ ሰባት ከህልኽዎ ኣይረኣዩን ኢዮም።ይኹን’ምበር፡ተምሪሓያሎጥዕናዊጥቕምታትኢዩ ዘለዎ። ተምሪ፡ ብማግነዚዩም፡ ቫይታሚንን፡ፕሮቲን፡ ካርቦሃይድሬድ፡ ጽሕግን ፖታሽዩምንዝኣመሰሉ መኣዛታት ዝሃብተመ ኢዩ። ስለዚድማ፡ ኣብ ምክልኻል ሓያሎ ሕማማትን ኣብምህናጽ ኣካላዊ ብቕዓትን ሓያሎ ጥቕሚኣለዎ።

ልዑል መጠን ኮሌስትሮል = ሕክምናዊመርመራታት ከም ዘነጽርዎ፡ ጽሕጊ ኣብኣካላትና ንዝህሉ መጠን ኮሌስትሮል ኣብምምዕርራይን ምምጻይን ይሕግዝ ኢዩ። ተምሪድማ ሓደ ካብቶም ልዑል ትሕዝቶ ጽሕጊዘለዎ መግቢ ብምኻኑ፡ ኣብ ኣካላትና ክኽዘኑንዝኽእሉ ዘይተደልዩ ተረፍ ኮሌስትሮል ኣብምምጻይ ልዑል ግደ ኣለዎም። ካብ 100ግራም ተምሪ 7 ግራም ጽሕጊ ክርከብ ከምዝከኣል ሕክምናዊ መጽናዕትታት የመልክቱ።ብዘይካ’ዚ ኣብ ተምሪ ‘ቤታ-ግሉካን (betaglucan) ዝተባህለ ዓይነት ጽሕጊ ከም ዝርከብክኢላታት ስነ-መግቢ ይገልጹ። እዚ ዓይነትጽሕጊ’ዚ፡ኣብ’ቲመዓልታዊእንወስዶ/እነህልኾመግቢ ንዝርከብ ኮሌስትሮል፡ ናብ ሰብነትናከይለሓገ፡ መጽዩ ከትርፎ ከም ዝኽእል እቶምክኢላታት ብተወሳኺ የመልክቱ። እዚ ዓይነትጽሕጊ’ዚ፡ ኣብ ሓሞት ንዝህሉ ኮሌስትሮል ኣብምጥፋእ’ውን ልዑል ተራ ይጻወት። በዚ ድማ;ኣብ ደምና ክህሉ ዝኽእል ኮሌስትሮል መጠኑከም ዝሕሎ ይገብር።

ወቕዒ = ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ወቕዒሓደ ካብቶም ጠንቂ ሞት ኮይኖም ብቐዳምነትዝጥቀሱ ዘለዉ ሕማማት ኢዩ። ተምሪ ግናብትሕዝቶ ‘ፖታሽዩም’ ዝሃብተመ ብምዃኑ፡ብወቕዒ ንዝስዕብ ጠንቅታትን ዝተፈላለዩሕማማትን ኣብ ምጉዳል ልዑል እጃም ከምዘለዎም ክኢላታት ሕክምና የመልክቱ። ኣብመዓልቲ 100 ግራም ተምሪ ምስ እትበልዕ፡ኣካላትካ ኣብ መዓልቲ ክረኽቦ ንዝኽእልብክኢላታት ንዝተዋህበ መጠን ‘ፖታሽዩም’ከም ዝረክብ ኣይትጠራጠር። ‘ፖታሽዩም’ብወቕዒ ክንጥቃዕ ንዘለና ተኽእሎ ብ24ሚእታዊት ከም ዘጉድሎ መጽናዕትታትየመልክቱ።

ልዑል ጸቕጢ ደም = “ዝኾነ ዓይነትመግቢ ዘለና ልዑል ጸቕጢ ደም ከጒድሎኣይረኣይን ኢዩ – ብዘይካ ተምሪ” ይብሉክኢላታትስነመግቢ።ተምሪ-ብፍላይንቚጽምስ ዝኸውን – ኣካላትና ዘድልዮ ሓይሊወይ ካሎሪ ብምሃብ ንስርዓተ ኣመጋግባናከም ዝመዓራረ ይገብሮ። ብኡ ኣቢሉ ድማመጠን ጸቕጢ ደምና የጉድሎ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተምሪ ልዑልትሕዝቶ ‘ፖታሽዩም’ ኣለዎ። ‘ፖታሽዩም’ድማ ኣብ ኣካላትና ንዝህሉ መጠን ሶድዩምኣብ ምምዕርራይ ይነጥፍ። በዚ ድማ መጠንጸቕጢ ደምና ከም ዝጎድል ይገብር። ልዑልጸቕጢ ደም ጠንቂ ወቕዕን ዝተፈላለዩሕማማልት ልብን ምዃኑ ኣይትዘንግዕ!

ሕማማት ልቢ= ተምሪ፡ ብማዕድናት‘ፖታሽዩም’ን ‘ማግነዚዩም’ን ከምኡ’ውንብቫይታሚን ቢ-6 ዝሃብተመ ብምዃኑ፡ንዝተፈላለዩ ሕማማት ልቢ ኣብ ምምሕያሽልዑል ግደ ኢዩ ዘለዎ። ‘ማግነዝዩም’ጭዋዳታት ናይ ልቢ ተዛንዮም ንጥፈታቶምኣብ ምክያድ ልዑል እጃም ኢዩ ዘለዎ። በዚድማ፡ ልብና ከይተጨነቐት ከምቲ ዝድለደም ንኽትጭንጉዕ የኽእላ። ቫይታሚንቢ-6 ድማ ምስ ሕማም ልቢ ምትእስሳርንዘለዎ ሆሞሳይስቴነ (homocysteine)ዝተባህለ ኣሚኖ ኣሲድ ኣብ ምጥፋእ ልዑልተራ ይጻወት።ዋሕዲደም(anemia)=ተምሪብውሑድመጠን ይኹን’ምበር ትሕዝቶ ናይ ሓጺን(Iron) ኣለዎ። ምህርቲ ናይቲ ኣብ ቀያሕቲዋህዮታት ደምና ዝርከብ ሆሞግሎቢን ድማየዕብዮ። ሆሞግሎቢን ኣገዳሲ መቖሚ ክፍሊኣካል ደምና ኮይኑ፡ ናብ መላእ ኣካላትናኦክስጅን የመላልስ። ስለዚ፡ ተምሪ ምምጋብምስ እነዘውትር ብሕማም ዋሕዲ ደምብቐሊሉ ክንጥቃዕ ኣይንኽእልን።ኣስተብህል! ሕማም ዋሕዲ ደም ዘለዎሰብ ተምሪ ምስ ጸባ ሓዊሱ መዓልታዊ ክሰቲተመራጺ ኢዩ።ምንጪ ፕሮቲን = ተምሪ ሓደ ካብዝለዓለ ምንጪ ፕሮቲን ብምዃኑ፡ ብቑዕኣቃውማ ኣካላትን ተረርቲ ጭዋዳታትንክህልወና ይሕግዘና። በዚ ድማ ስሩዕ ኣካላዊምንቅስቓስ ዘዘውትሩ ሰባት ሰለስተ ኣርባዕተፍረ ተምሪ ክበልዑ ተመራጺ ምዃኑክኢላታት ስነ-መግቢ የመልክቱ።ንጥዕና ኣዕጽምቲ = ተምሪ ‘ሰለኒዩም’፡‘ማግነዚዩም’፡ ‘ኮፐር’ን ‘ማንጋነዝ’ን ዝተባህሉንጥዕናን ድልዳለን ኣዕጽምቲ ኣካላትናዘገድሱ ማዕድናት ዝሓቖፈ መግቢ ኢዩ።ምንጪ፦ www.organicfacts.net

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x