ንሰብኣይ ገዝኡ ተፍትዎ በዓልቲ ቤቱ’ያ

ሓዳር ክመውቕ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ፍቕሪ ክህሉ ዘይስሓት’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ተራ ግን ጎሲኻ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንበዓል ቤታ ብጥበብ ሒዛ፡ ሓዳር እተሙውቕ፡ ኣብ ገዛ ሰላም፡ ቅሳነትን ሓጎስን ክትፈጥር እትኽእል ንሳ ጓል ኣንስተይቲ’ያ። ሰብኣይ ብደገ ሰሪሑ ንገዝኡ ክኣቱ ከሎ፡ ሰበይቲ ከኣ ኣብ ገዛ እቲ ንሰብኣያን ንደቃን ዘድሊ ክትቀራርብ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ።

• ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ገዛ ንሰብኣያ ጽፍፍትን ጽርይትን ኮይና ክትጸንሖ ጽቡቕ’ዩ። ብደገ ደኺሙ ክዕርፍ ኣብ ዝደልየሉ እዋን፡ እትዛረቦ ዘረባ ንልቢ ሰብኣያ ዘረስርስ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ብምዕዝምዛም እትቕበሎ እንተኾይና፡ ዘረባ ጸሊኡ ካብ ገዝኡ ክበርር ይኽእል’ዩ።

• ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ጓለንስተይቲ በዓል ቤታ ደስ ዘይብሎን ዘይቅበሎን ባህርያት ክህልዋ ይኽእል’ዩ። እዚ ካብ ኮነ፡ እቲ ንሱ ዝጸልኦ ወይ ደስ ዘይብሎ ባህርያታ ኣብ ገዛ ከተንጸባርቕ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x