ምልክታት መርዘን ዘጓድሉ

መርዘን ተመላላሲ ባህሪ ዘለዎ ቃንዛ ርእሲ’ዩ፡ መብዛሕትኡ እዋን መርዘን ብሓደ ሸነኽ ናይ ሽክና ኣጸጋሚ ቃንዛ የምጽእ፡ ተምላስን ዕግርግር ምባልን ከኣ ሓቢሮም ካብ ዝርኣዩ ምልክታት መርዘን’ዮም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝተፈላለዩ ናይ መርዘን መድሃኒት እዞም ዝስዕቡ ንምልክታት መርዘን ኣብ ምጕዳል ይሕግዙ፡ ወጥሪ፡መስተ፡ናይመግቢግዜምሕላፍ፡ ሽኮራዊ መግቢ፡ ጥምየት፡ ምቅይያር ሆርሞናት ኣብወርሓዊ ጽግያት፡ መጠኑ ዝሓለፈ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ምቁርራጽ ድቃስ ወይ ብዝሒ ድቃስ ገለ ካብቶም ንምልክትት መርዘን ዘጋድዱ’ዮም፡ ዝበዝሑ ግዳያት ምልክታት ዘጋድደሎም ነገራት ብምክልኻል ክረብሑ ይርኣዩ፡ ካብ ኣልኮላዊ መስተ፡ ዝያዳ ካፈይን ዘለዎም ከም ኮካ፡ ሻሂ፡ ቡን ብብዝሒ ዘይምውሳድ፡ ስሩዕ መኣዛዊ መግቢ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ እኹል ናይ ድቃስ ሰዓታት፡ ብሓፈሻ ንመርዘን ዘጋድዱ ነገራት ኣለሊኻ ምውጋድ ወይ ምክልኻል፡ ንምልክታት ኣብ ምጕዳል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ፡፡

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x