ትርጉም ሂወት ቀዳምነታትካ ምስራዕ’ዩ

ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጎድኒ ሓደ ሰብኣይ ኮፍ ኢላ ነበረት። ናብ ሓደ ቀይሕ ጎልፎ ተኸዲኑ ዘንሻራትት ዝነበረ ንእሽቶ ቈልዓ እናተመልከተት፡ “እቲ ብማዕዶ ትርእዮ ዘሎኻ’ዩ ወደይ” በለቶ ነቲ ሰብኣይ። “ሽኮሪና ቈልዓ’ዩ። ጓለይ ከኣ እታ ጻዕዳ ተኸዲና ብሽክሌታ ትዝውር ዘላ’ያ” ብምባል መለሰላ። ብድሕሪ’ዚ ሰዓቱ ርእዩ ንጓሉ እናተዳህየ፡ “እንተኸድና እንታይ ይመስለኪ?” ክብል ተወከሳ። መሊሳ ግን፡ “10 ደቒቕ ጥራይ ተጸበየኒ። በጃካ ባባ፡ 10 ደቒቕ ጥራይ!?” ብምባል ተማሕጸነት። እቲ ሰብኣይ ርእሱ ብምንቕናቕ ምስምማዑ ገለጸላ። ክሳብ ትጸግብ ከኣ ብሽክሌታ ምዝዋር ቀጸለቶ።

ልዕሊ 10 ደቓይቕ ሓለፈ። ሕጂ’ውን እቲ ሰብኣይ፡ “እሂ ሕጂኸ ንኺድዶ?” በላ ብዓቕሊ ንመሊሳ ጓሉ። “10 ደቒቕ ጥራይ ባባ፡ በቃ ሽዑ ንኸይድ” እንደገና ለመነት መሊሳ። “ሕራይ” በላ ኣቦኣ ብፍሽኽታ። ነዚ ትዕዘብ ዝነበረት ሰበይቲ ድማ፡ “ናይ ብሓቂ ዓቃል ኣቦ ኢኻ!” ብምባል ነቲ ሰብኣይ ኣድነቐቶ። እቲ ሰብኣይ ብወገኑ ከምዚ ክብል መለሰላ፤ “ርኢኺ ኣሎኺ፡ ንቶሚ ምዕባይ ሓዋ ነዛ ጓለይ፡ ዓሚ ኣብ’ዚ ከባቢ ብሽክሌታ እናዘወረ እንከሎ’ዩ ሓደ ሰኽራም መራሕ መኪና ገጭዩ ቀቲሉዎ። ካብ ኩሉ ዘሕዝነኒ ምስ ቶሚ ወደይ ዝኣክል ግዜ ዘይምሕላፈይ’ዩ። ምስ ቶሚ ወደይ 10 ደቒቕ ንኸሕልፍ፡ ዝተሓተትኩዎ ምኸፈልኩ። ደጊም ኣብ ልዕሊ መሊሳ ጓለይ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይፍጽም ምሒለ’የ። መሊሳ፡ ብሽክሌታኣ ንኽትዝውር ተወሳኺ 10 ደቓይቕ ከም እተዋህባ’ያ ትሓስቦ ዘላ። እቲ ሓቂ ግን፡ ጓለይ ብሓጎስ ክትጻወት ንኽርእያ ኣነ’የ ናይ 10 ደቓይቕ ዕድል ዝረኸብኩ።” ሂወት ማለት ቀዳምነታትካ ምስራዕ’ዩ። ስድራኻ ድማ ልዕሊ ኩሎም ቀዳምነታትካ ዝስርዑ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት’ዮም። ስለ’ዚ ምስ’ቶም እተፍቅሮም ስድራኻ ዝከኣለካ ግዜ ኣሕልፍ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x