ጸጸር ሓሞት

ጸጸር ሓሞት ናይ ብዙሓት ጸገም ከይከውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ጸጸር ሓሞት ናብ ሕማም መንሽሮ ከምርሕ ዝኽእል ሓደገኛ ጥዕናዊ ጸገም’ዩ። ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ጸጸር ሓሞት ኣለዎ። መንሽሮ ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ ሕማም ኣይኮነን። ካልኦት ጥዕናዊ ጸገማት’ዮም ናብ መንሽሮ ዝቕየሩ። ዶክቶር ሊ ዝተባህለ ብዛዕባ መንሽሮ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ቻይናዊ፡ እቶም ብካንሰር ዝተጠቕዑ ሰባት ኩላቶም ጸጸር ሓሞት ከምዝጸንሖም’ዩ ኣረጋጊጹ። ሓደ ካብ ቀንዲ ምልክታት ጸጸር ሓሞት ድሕሪ ክብድ ዝበለ መግቢ ምብላዕና ምሕቃቕ ከምዝኣብየና ናይ መንፋሕቲ ስምዒት ክፈጥረልና እንከሎ’ዩ። እቲ ጸገም ጽንክር ዝበለ እንተኾይኑ ኣብ ከባቢ ጸላም ከብድና ቃንዛ ከስዕበልና ንቡር’ዩ።

ዶክቶር ሊ ከም መፍትሒ ዘቕርቦ ቀሊል ሓሳብ ኣለዎ።

1. ሓደ ቢኬሪ ጽማቚ ቱፋሕ (Apple Juice)፡ 4 ግዜ ኣብ መዓልቲ፡ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልታት ንስተ። እዚ ማለት 1 ቢኬር (250 ሚሊ ሊትር) ኣብ እዋን ቁርሲ፡ 1 ቢኬሪ ኣብ እዋን ምሳሕ፡ 1 ቢኬሪ ኣብ እዋን ድራር፡ 1 ቢኬሪ ድማ ክንድቅስ እንከለና ማለት’ዩ። ኣብ ኣመጋግባና ለውጢ ከይገበርና ንስተዮ። ነቲ ጸጸር ከተርክሶ (ከለስልሶ) እዩ።

2. ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ድራር ንዝለል። ሰዓት 6፡00 ድ.ቐ. ምስ ኮነ ሓደ ማንካ ሻሂ ማግኒዝየም ሳልፋይት (Gypsum Salt) ኣብ ልብጥ ዝበለ ቢኬሪ ማይ ኣሕቂቕና ንስተዮ። ድሕሪ 2 ሰዓታት (ማለት 8፡00 ድ.ቐ.) ድማ ንደግሞ፣ እዚ ነቲ ድሩቕ ነገር ሓጻጺቡ ከውጽኦ’ዩ። ንከረጺት ሓሞትና’ውን ከምዝኸፍት’ዩ ዝገብሮ። ሰዓት 10፡00 ምሸት ምስ ኮነ እንደገና፡ ፍርቂ ቢኬሪ ዘይቲ ኣውሊዕ (ኦልዮ ኦሊቫ) ምስ ፍርቂ ጽማቚ ለሚን ሓዋዊስና ንስተ። እቲ ዘይቲ፡ ንጉዕዞ ናይቲ ጸጸር ከፋኹስ እንከሎ፡ እቲ ጽማቚ ለሚን ድማ ካብ ከርጺት ሓሞት ከምዝወጽእ ይገብሮ።

እዚ ሓበሬታ ከም መወከሲ እምበር ከም ቀንዲ ናይ ሕክምና ታእዛዝ ክውሰድ የብሉን። ቅድመ ምትግባር ናይ ሓኪም ፍቓድ ህላወ ግድን አዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x