ከስዐ ንገዛእ ርእሳ ካብ ምሕቃቕ ብምንታይ ትከላኸል?

መግቢ ብኣፍና ምስ ኮለስና። ብመገዲ ሻሕለለና ኣቢሉ ናብ ከስዐ ይኣቱ፣ ገለ ክፋሉ ኣብ ከስዐ ምስ ሓቐቐ ናብ ቀጢን መዓንጣ ይሓልፍ፣ ከስዐና ነቲ መግቢ እናሓወዋሰት ተዳቕቖ፣ ነዚ ኣብ ከስዐ ዝካየድ ምሕቃቕ መግቢ ዝሕግዝ ሃይድሮ-ክሎሪክ ኣሲድ ዝብሃል ብርቱዕ ኣሲድ ኣሎ፣ ነቲ ዝኣቱ መግቢ ከኣ ኣብ ውሑዳት ሰዓታት ከም ዝሓቅቕ ይገብር፣ ከስዐና ክንዲ ዕድመና ገይራ ክሳብ ሕጂ ኣየሕቀቓን፣ ስለምንታይ? ከስዐ ሂላላዊ ቅርጺ ዘለዋ ልቖታ መሰል ህዋስ እያ፣ ናይ ሓደ እኹል ሰብ ከስዐ። ሰለስተ ሊትሮ ፈሳሲ ክትስከም ትኽእል ኰይና ብዝተፈላለዩ ቀጸላታት ተሃኒጻ ንረኽባ፣ – “ሰሮሳ” – ላዕለዋይ ሽፋን ናይ ከስዐ’ዩ፤ – ክልተ ጭዋዳ ቀጸላ – እዚ ማእከላይ ቀጸላ ኰይኑ። ንመግቢ ካብ ከስዐ ናብ ቀጢን መዓንጣ ይደፍእ፤ – “ሙኮሳ” – ውሽጣዊ ቀጸላ ኰይኑ። ብፍሉያት ወሃዮታት (ከም ፓርሽያልን ኢፒተሊያንን ወሃዮታት ዝኣመሰሉ) ዝተሰርሐ እዩ፣ “ፓርሽያል” ዝተባህሉ ወሃዮታት። ነቲ ንመግቢ ዘሕቅቕ ሓያል ሃይድሮክሎሪክ ኣሲድ

የፍሪ፣ እዚ ኣብ ከስዐና ዝርከብ ሃይድሮ-ክሎሪክ ኣሲድ ሓፊስ ኰይኑ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ዕንጨይቲ እንተ ነንጥቦ ኣብ ደቒቕ ከንኩሎ ዝኽእል እዩ፣ “ጂ” ዝተሰምዩ ወሃዮታት ከኣ ጋስትሪን የፍርዩ፣ ጋስትሪን ሓደ ካብ ናይ ኣካላትና ሆርሞናት ኰይኑ። ንፍርያምነት ሃይድሮ-ክሎሪክ ኣሲድ ብፓርሺያል ወሃዮታት የነቓቕሕ፣ ከስዐ ብኢፒተልያል ወሃዮታት ዝተሓጽረ እዩ፣ እዞም ንከስዐ ዝከላኸሉ ኢፒተልያል ወሃዮታት ብባይ-ካርቦኔት ዝሃብተመ ፈሳሲ መሰል የፍሪን ይነዝዕን፣ እዚ ነዝዒ ንሙካሳ ዝተባህለ መንብሬን የኽብቦ፣ እዚ ብባይካርቦኔት ዝቖመ ፈሳሲ። ንኣልካሊን። በይዝን ንበይዝ ባዶ ዝገብር ኣሲድን ዝሓዘ እዩ፣ ከም ውጽኢት ውህደት ናይዞም ጥረ-ነገራት ማይ ይፍጠር’ዩ፣ ተደጋጋሚ ምፍራይ ናይዚ ባይካርቦኔት ሶሉሽን ከኣ ከስዐ ባዕላ ንባዕላ ከይትብላዕ ይከላኸለላ፣ ኣብ ገለ ሰብ። ናብ ከስዐ ዘይእኹል (ድኹም ወይ ዝሞተ) ደም ምስ ዝበጽሕ። ዝያዳ ኣሲድ ይፈሪ፣ እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከኣ ማዕረኡ ክሰርሕ ምስ ዘይክልእ። ጋስትራይት ዝብሃል ሓማም ከጥቅዖም ይረአ፣ ከምኡ’ውን “ሀሊኮ-ባክተር ፓይሎሪ” ብልምዲ ኤች-ፓይሎሪ ዝብሃል ፍሉይ ባክተርያ ልክዕ ከም ጋስትሪክ ኣልሰር ከጥቅዖ ይኽእል፣

ትርሓስ ዘመደ – ኮሌጅ ሓመልማሎ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x