ኣብ ዓዲ ዕዉራት በዓል ሓንቲ ዓይኒ ይነግስ።

እዚ ምስላ፡ ብዙሓት ፈላጣት ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ወይ ከባቢ እቲ ቅሩብ ፍልጠት ዘለዎ ይመርሕ ንምባል ዝተመሰለ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ሕማቓት ተማሃሮ ጥራይ ዝመልኡዋ ክፍሊ፡ ቁሩብ እንተነፊዕካ ቀዳማይ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓንቲ ኣዝዮም ንፉዓት ተማሃሮ ዝበዝሑዋ ክፍሊ እንተኣቲኻ ግን ደረጃኻ ንታሕቲ ይወርድ። ኣብታ ቀዳመይቲ ክፍሊ ተማሃሮ ስለዝሓመቑልካ ኢኻ ቀዳማይ ኰይንካ እምበር ንስኻ ስለዝነፋዕካ ኣይኰነን። እቶም ተማሃሮ ክዓውሩ ከለዉ፡ ንስኻ ከኣ በዓል ሓንቲ ዓይኒ ኰይንካ ማለት’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x