– ዝኾነ ዘረባ ቃል ቅድሚ ምምላቚካ ብዛዕባ እትዛረቦ ዘለኻ ነገር ሓቅነቱን ጠቓምነቱን ኣስተውዕል።
– ቃል ኣብ እትኣትወሉ እዋን ጥንቃቐ ግበር። ንዝኣተኻዮ ቃል ድማ ብእምነት ተግብር።
– ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ንምዝራብ ኣይትጓየ። ኣይትሕመ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ሕማቕ ኣይትሕሰብ።
– ምሕረት ንምግባር ተዳሎ። ሰባት ዝከኣሎም ክገብሩ ከምዝኽእሉ እመን።
– ንነዊሕ ጠምት። ንሰባት ብእዋናዊ ተግባሮም ኣይትፍረድ። ዓቕሊ ይሃልኻ።
– ብዛዕባ ሰባት ጽቡቕ ንምዝራብን ንምንኣድን ዕድል ኣብ ትረኽበሉ ኣጋጣሚ። ስቕታ ኣይትምረጽ። ናእዳኻን ኣድናቖትካን ብሓጎስ ግለጽ።
– ዝኾነ ሰብ ምስ ዝውንጅለካ። ብዛዕባ’ቲ ዝበለካ ነገር ሓቅነቱ ኣረጋግጽ። ቅኑዕ ኮይኑ እንተረኺብካዮ “ኣይትሓዘለይ” ንምባል ኣይትፍራሕ። ጌጋ እንተኾይኑ ድማ
ሓሪቕካ ዘየድሊ ነገራት ንምግባር ኣይተተሃወኽ። ግደፎ ምኽንያቱ ከከም ኣመጻጽኡ ባዕሉ ክኸይድ ስለዝኾነ።
– ኣካይዳኻን ስነ ምግባርካን ንእንታይነትካ ንኽምስክር ሕደጎ። ምኽንያቱ ሰብ ብቓላቱ ስለዘይምዘን።
ርእይቶኻ ጸሓፍ