ምኽሪ’ቲ ሽማግለ

ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኮይኑ’ዩ። ጸሓይ ካብ ምምራራ ዝተላዕለ ነታ ትፍልም ዝነበረት ወርሒ ጥሪ፣ ትርጉማ ካብ ምድማቕ ከሊኣታ ነበረት። ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዓ ካንቸሎ ዝኸፈተት ኣደ፣ ዳኒኤል ወዳ ሰላምታ ከየቕረበላ ንውሽጢ ምስ ኣተወ ተሰጉዲማ ጠመተቶ። እታ ኣደ ናይ ወዳ ምቕያር ጠባይ ኣይተጋየሻን። ዳኒኤል ምስ ስድራኡ ምዕላል ካብ ዝገድፎን ንኽርድእዎ ዘጸገሞም ባህሪ ከም ዘማዕበለን ኣቐዲማ’ያ ፈሊጣ። ስለዚ፣ ርእሳ የማን ጸጋም እናነዛነዘት ብምግራም ስዒባቶ ንውሽጢ ኣተወት። ቅድሚ ምሳሕ እታ ስድራ ኣብ ሓባራዊ ዕላል’ያ ትጽመድ ዝነበረት። ሽዑ ግና ወ/ሮ ትዕበ ብኣግርሞት ንዳንኤል ኣተኵራ ጠሚታ “እእምም!!!” እናበለት መኣዲ ቀሪባ። ደቂ እታ ስድራ ትምህርቲ ዝወድኡን፣ ዝተመረቑን ኢዮም። ዳንኤል’ውን ብነርሰ ዝተማህረ፣ ኣብ መፈለምታ ዕድመ ዕስራታት ዝርከብ ቦኽሪ ኣባል እታ ስድራ’ዩ። ስድራቤቱ ዘይነበሮ ባህሪ ከም ዘምጽአን፣ ጠባዩ መጨበጢ ስኢኖሙሉ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተተማሕጸንዎ፣ ንሱ ግን ዘምጽኦ ለውጢ ኣይነበረን። ወ/ሮ ትዕበ’ዉን በዓልቤታ ነቲ ጉዳይ ብስቕታ ይከታተሎ ብምንባሩ ልባ ቅሒሩ’ዩ። እቲ ብጠባዩ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x