ንበዓል ቤት ክበሃሉ ዘይብሎም ሓሙሽተ ነገራት

1. “ከም ኩስቶ ፍጹም ዕዉት ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ”

ምባል ንበዓል ቤትኪ ምስ ካልእ ሰብ ዘይምንጽጻር። ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸሩ ኣይደልዩን’ዮም።

2 . “ካባይ ንላዕሊ እተፍቅራ ኣላትካ”

ምባል ዋላ ንስለ ዋዛ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘይምባል፣ እንተኽኢልኪ ማዕረ ክንደይ ከምእተፍቅርዮ ሓብርዮ። ዘረጋገጽክዮ ዘይብልኪ ምስ ካልእ ይዘውር ኣሎ ዝዓይነቱ ናይ ምጥርጣርን ልብኺ ናይ ምሕባእን ባህሪ ኣይተንጸባርቒ። እንተታት ብዘየገድስ ንጉስ ፍቕሪኺ ምዃኑ፡ ንግስቲ ፍቕሩ ምዃንኪ ግለጽሉ።

3. “ወላዲትካ ኣይተፍቅረኒን’ያ መስለኒ”

ምባል ብዛዕባ ስድራቤቱ ክፉእ ነገር ኣይትዛረቢ። ወላዲቱ ኣከዳድናኺ ዋላ ኣይትፍተዎ ወይ’ውን ንኽልቴኹም ከም መጻምዲ ዘይትፈትወኩም ትኹን፡ ኣንጻራ ዝዀነ ነገር ኣይትዛረቢ። እንተተዛሪብኪ ግን ኣብ ልዕሊኡ ይኹን ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ሰባት ክብረት ከምዘይብልኪ’ዩ ዝቖጽረኪ። ሽሕ ግዜ የፍቅር፡ ኣንጻር ስድራቤቱ ኣንጻር ነገር ዝወስድ ወዲ ከምዘየለ ፍለጢ።

4. ሕማቕ ቃላት ዘይምውጻእ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ እዋን ክርክር ብሰንኪ ሕርቃን ዘይቅቡላት ቃላት ክሞልቁይስምዑ’ዮም

ንስኺ ግን ካብ ከምዚ ተጠንቀቒ። “ንስኻ ርጉምን ክፉእን እንዲኻ፣ ብዓለገ” ወዘተ እናበልኪ ዘለፋን ጽዩፉን ቃላት ብስምዒት ከይተውጽኢ ነብስኺ ሓልዊ። ብዘየገድስ ማዕረ ክንደይ ኣብ ልዕሊኡ ሓሪቕኪ ኣለኺ፡ ቃላትኪ ሓልዊ፡፡

5. “ሎሚ ኣዝየ ደኺመ ስለዘለኹ ምናልባሽ ንጽባሕ”

ምባል በዓል ቤትኪ ሓደ ነገር ክትፍጽምሉ ምስ ዝሓተኪ’ሞ ንስኺ ግን ኣብ ስራሕ ሕማቕ ስለዝወዓልኪ ወይ ቈልዑ ተካልኪ ስለዘጽገቡኺ፡ ንኸይትፍጽምሉ መመኽነይታ ምቕራብ መንሽሮ ፍቕሪ ምዃኑ ኣይትዘንግዒ። ንትእዛዝ ወይ ጠለብ በዓል ቤትኪ ብዝዀነ መመኽነይታ ክትሓልፍዮ ኣይግባእን። ደኺምኪ እንከለኺ ጠለባቱ ንጽባሕ ከይበልኪ ምስ ተማልእሉ፡ ድኻምኪ ናብ ሓይሊ ኩራኺ ድማ ናብ ፍቕሪ ክቕየር’ዩ። ጠለባት በዓል ቤትኪ ምስ ኣማላእኪ ድማ ብዛዕባ ዝነበረኪ ድኻምን ዝወዓልክዮ ጸገምን ሃዲእኪ ኣዕልልዮ – ንሱ ድማ ንመጻኢ ክድንግጸልክን ክርዳኣልክን’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x