ንሰብኣይ ገዝኡ ተፍትዎ በዓልቲ ቤቱ’ያ

ኣይግባእን።

• ኣብ ገዛ ንሰብኣያ ዝስሕብን ባህ ዘብልን ኣካዳድናን ንጽህናን ምስ እተዘውትር፡ ጽርየት ገዝኣ ምስ እትሕሉን ሰብኣያ ገዛ ክኣቱ ይብህግ፡ ኣብ ገዝኡ’ውን ደስ ኢልዎ የዕርፍ።

• እተዳልዎ መግቢ’ውን በታ ዓቕማ ሰብኣያ ዝፈትዎን ዝብህጎን ብጽፈት ምስ እተዳልወሉ፡ ኣብ ደገ ኣይምገብን። ብኡኡ መንጽር እቲ ኣብ ደገ ንመግቢ ዘጥፍኦ ገንዘብ ኣብ ገዝኡ የውዕሎ። ነዚ ዝሕግዛ ብዛዕባ ኣከሻሽና መግቢ ዝሕብሩ መጽሓፍቲ ከተንብብ እንተኺኢላ ጽቡቕ’ዩ።

• በዓል ቤታ ካብ ስራሕ ንገዛ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ገዛ ክትጸንሖ ይግባእ። ምብጻሕ ኣብ ዝህልዋ እዋን ንዓኣን ንበዓል ቤታን ኣብ ዝጥዕም ግዜ እንተኾነ ይምረጽ። ጓለንስተይቲ በዓል ቤታ ገዝኡ ዘይፈቱ ደገ ደገ ባሃላይ እንተኾይኑ፡ ምኽንያት ከተለሊ ይግብኣ። ኣብ ገዛ ቆይቂ ተብዝሕ፡ ጽርየታን ጽርየት ገዝኣን ዘይትሕሉ፡ ብጉቡእ መግቢ ዘይተዳልወሉን ዘይትቕርበሉን እንተኾይና፡ ነዚታት ከተማሓይሽ ስጉምቲ ምውሳድ የድልያ። እዚ’ታት ኣብ ገዝኣ ምስ ተማልእ፡ በዓል ቤታ ካብ ገዝኡ ወጻኢ ንኸይዘውርን፡ ዘይሩ ድማ ኣብ ዘየድሊ ወልፍታ ንኸይጽመድ ይሕግዞ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x