ምውቕ ሓዳር ንክህልወካ ትብህግዶ?

ምዉቕ ሓዳር ንኽህሉ ክማላእ ዝግብኦን ነገራት እንታይ’ዮም ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ዘገድስን ወሳን’ዩ። ተመራመርቲ ስነ ህይወት ኣብ ዙርያ ሓዳርን መጻምድትን ዝተፈላለዩ መጻናዕትታት ብምክያድ፡ ምዉቕ ሓዳር ንምህላው ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝበለዎ ምኽርታት ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብምምላስ ክርከብ ከምዝኽእል ይእምቱ። ካብዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ልዕሊ ሽዱሽተ “እወ” ዝብል መልሲ እንተረኺብካ ምዉቕ ሓዳር ናይ ምህላው ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለካ። ንደቂ ተባዕትዮ ዝምልከት ሕቶታት፡

1. ንምልክት ልቦናዊ ፍቅርኻ፡ ንሰበይትኻ/መጻምድትኻ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ህያባት ኣበርኪትካላ ትፈልጥ’ዶ?

2. ኣብ ቅድሚ ሰባት ጉድለታታ ንኸይትእርማ ትጥንቐቕዶ?

3. ክርህወካ እንከሎ፡ ልዕሊ’ቲ ንኣስቤዛ ዝሃብካያ ገለ ገንዘብ ኣብ ደስ ዝበላ ከተውዕሎ ትህባዶ?

4. ብዝወሓደ 50 ሚኢታዊት ካብ ናይ ምዝንጋዕ መደባት ግዜኻ ምስ ሰበይትኻዶ ተሕልፎ?

5. ኣብ እንተንብቦም መጻሕፍቲ ዝንባለ ኮነ ስነ ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ንጹር ተገዳስነት ትሕድርዶ?

6. ፍሉይ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ኣእምሮ ዊንታ ብምርዳእ ኣብ እዋን ቊጠዐን ሕርቃንን ትተሓጋገዝዶ?

7. ሰበይትኻ ምስ ብሕውነታዊ መንገዲ ዝቐርብዋን ዝግደሱላን ደቂ ተባዕትዮ ዘሎካ ኣረእእያ ኣወንታዊ ድዩ?

8. ኣብ ከተድንቓን ከተመስግናን ዝግበኣካ ኣጋጣሚታት ተድንቓን ተመስግናንዶ?

9. ስጋዊ ርክብኩም ንስኻ ደስ ኣብ ዝበለካ ግዜ ድዩ ዝፍጸም ወይስ ኩነታታ ኣብ ግምት ብምእታው እትወስዶ ስጉምቲ ይዛይድ?

ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሕቶታት

1. ስርሑ ንምስላጥ ኣብ ሰብኣይኪ ግቡእ ነጻነት ትህብዮዶ?

2. ኣብ ስርሑ ንዝተመደባ ጸሓፍቲ ወይ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምውንጃል ትጥንቐቒዶ?

3. ገዛኺ ብዝተኻእለ መጠን፡ መሳጥን ተፈታውን ንክትገብርዎ ትጽዕሪዶ?

4. ሰብኣይኪ ካብ ስራሕ ኣብ ዝኣትወሉ ዘይተጸበዮ ዓይነት መግቢ ንኸጋጥሞ መግብታት ትቐያይሪዶ?

5. ከከም ኣድላይነቱ ክትተሓጋገዝዮ ምእንቲ፡ ብዛዕባ ስራሕ ሰብኣይኪ ንምፍላጥ በሊሕ ምክትታል ትገብሪዶ?

6. ንሓማትኪ ኮነ ኣዝማድ ሰብኣይኪ ብልብን ቅንዕናን ትቐርብን ትተሓጋገዝንዶ?

7. ንኣዒንቲ ሰብኣይኪ ዘዕግብን ዝማርኽን ቅዲ ዘለዎ ክዳን ትለብሲዶ?

8. ንደቀቕቲ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ሰብኣይኪ ሕድገታት ትገብሪዶ?

9. ሰብኣይኪ ንዝፈትዎም ጸወታታት ተረዲእኪ ኣብ ትርፊ ግዜኺ ምስኡ ክትዘናግዒ ጻዕሪ ትገብሪዶ?

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x