ጠንቂ ሕማም ጸቕጥን መፍትሒኡን

ሕማም ጸቕጢ፡ ንመላእ ኣካላትና፡ ማለት ኩነተ-ኣእምሮና፡ ሓሳባትና፡ ባህርያትናን ደጋዊ ኣካላትናን ዘጥቅዕ ሕማም’ዩ። እዚ ሕማም’ዚ ንኣመጋግባናን ድቃስናን ዝጸሉ፡ ኣብ ነብስናን ነገራትን ዘለና ኣረዳድኣ ዘመዛብል ሕማም’ዩ። ሕማም ጸቕጢ፡ ከም ካልኦት ሕማማት ደረጅኡ ክፈላለ ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ኣብ ስሩዕ ህይወትካ እናኣተወ ዕንቅፋት ክፈጥረልካ ዝኽእል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ግን ከኣ ኣሽጋሪ ዝዀነ ሳዕቤን ዘይብሉ ዓይነት ጸቕጢ’ዩ። ጠንቂ ሕማም ጸቕጢ፡ ነጸብራቕ ናይ ዘሕዝን ፍጻሜ ወይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ይዛረቡ።

ተወርሶ፡ ከሚካላዊ ዘይሚዛናውነት ኣብ ኣእምሮን ብርቱዕ ጭንቀትን ነቲ ኩነታት ካብ ዘጋድዱ ረቛሒታት እዮም። ምልክታት ጸቕጢ ዝኸዱን ዝመጹን’ዮም። ጸቕጢ ኩሉ ግዜ፡ ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ናይ ምሕዛን ወይ ምቕዛን ዝጅምር ኰይኑ፡ ምስ ግዜ እናበርትዐ ይኸይድ። እዚ ሕማም ክጅምረና እንከሎ፡ ድቃስ ክኣብየና ወይ ካብ ንቡር ንላዕሊ ክንድቅስ ንኽእል። ምቅይያር ባህርያት ኣመጋግባ፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ትሑት-ነብሰ ክብሪ ምህላው፡ ረሸሽ ምባል፡ ምስ ሰባት ገርጨውጨው ምባል፡ ሽቐልቀል ምባል፡ ተገዳስነት ምጉዳል፡ ትሑት ድሌት ጾታዊ ርክብ ምህላው፡ ትሑት ኣተኩሮ ኣብ ጉዳያት ወዘተ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ዝኽሰቱ ምልክታት ክዀኑ እንከለዉ፡ ፈተነ ነብሰ-ቅትለት እቲ ዝኸፍአ ምልክት ጸቕጢ ምዃኑ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልጹ።

ብክቱር ጸቕጢ ዝሳቐዩ ሰባት ብውሕዱ-ክልተ ካብዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ምልክታት ንክልተ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ከርእዩ ይኽእሉ። ውጡር ጸቕጢ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ኮነ ካልኦት እወታዊ ኣተሓሳስባ የብሎምን። ሕማም ጸቕጢ፡ መድሃኒትን ምኽርን ሓዊስና ክንፍውሶ ንኽእል። መድሃኒት ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዘጋጥም ከሚካላዊ ዘይሚዛናውነት ንምፍዋስ ክንጥቀመሉ ከለና፡ ምኽሪ ድማ፡ ኣብ ህይወትና ንዘጋጥሙና ውልቃዊ ጉዳያት እወታዊ መረዳእታ ክህልወና ይሕግዘና። ብዙሓት ሰባት ጸቕጢ ኣብ ዝስምዖም ግዜ፡ ሕማሞም ክሓብኡ ክብሉ እቲ ዝግባእ ክንክን ኣይረኽቡን።

ጸቕጢ ኣብ ዝስምዓና ግዜ ናብ ሓኪም ብምኻድ፡ ዝተዋህበና ምኽርን ዝተኣዘዘልና መድሃኒትን ብግቡእ ክንወስድ ይግባእ። ዋላ’ውን እቲ መድሃኒት ድሕሪ ምውሳድና ዝሓሸና ኰይኑ እንተተሰምዓና፡ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ከነቋርጽ ኣይግባእን። ተወሳኺ፡ ብምኽርን ሓሳባትን ክሕግዙና ምስ ዝኽእሉ ሞያውያን ወይ ኣዕሩኽ ምምሕዛው እውን ካልእ ኣድማዒ ፍወሳ’ዩ። ብቕንዕና ከማኽሩኻ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ምቕራብ፡ እወታዊ ባህሪ ከተማዕብልን፡ ንጸገማትካ ኰነ ህይወትካ ብሓድሽ ኣገባብ ክትገጥሞምን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ጸቕጢ ናጻ ክትከውን ሓጋዚ ኣበርክቶ ኣለዎ። ስለዚ፡ ምልክታት ጸቕጢ ብግቡእ ምስትውዓልን ንምቁጽጻሮምን ስጉምቲ ምውሳድን ብጥዕናኻ ንምቕጻል ብቐዳምነት ክንወስዶም ዘለና ስጉምታት’ዮም። እንምገቦ ዓይነት መግቢ፡ እንድቅሶ ንውሓት ግዜ፡ እንገብሮ ምንቅስቓሳት ንዘለና ጸቕጢ ኣብ ምቅላል ዘለዎም ኣድማዒ ተራ’ውን ክንዝንግዖ የብልናን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x