ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግዜ ሽምግልና

ልዕሊ 50 ዓመት ንዝረገጹ ሰባት ናይ ሽምግልና ድኻም እናኸበደ ከይመጸ ብኣጋ ፈኲስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ንጥዕና ኣዝዩ ክጠቅም ከምዝኽእል ሓደስቲ መጽናዕትታት ከም ኣረዲኦም። ዕድመ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ዝረአ ምምንማን ቀይሕ ጭዋዳ፡ ቃንዛ መገጣጠሚ ኣዕጽምትን ካብ ሕማም ቀልጢፍካ ዘይምሕዋይን ብቐሊል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክዕገት ከም ዝከኣል ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት ዝርከቡ ዘለዉ ናይ መጽናዕቲ ውጽኢታት ወዲ 90 ዓመት’ውን ስፖርት ብምክያድ ጭዋዳ ክውስኽን ቅርጺ ኣካላት ከማዕብልን ከም ዝኽእል የረድኡ። ንኣሽቱ ናይ ክብደት ናውቲ ንፍርቂ ሰዓት ብምስፍሳፍ ክሳዕ ወዲ 70 ዓመት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግዜ ሽምግልና ጭዋዳታትካ ክትዕቅብ ከም እትኽእልን ብምንቅስቓስ ኣይሮቢክስ ከኣ ሕማማት ልቢ ምክልኻል ከም ዝከኣልን ምንጭታት የረድኡ። ሕማም ልቢ ወይ ካልእ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ግና ምስ ሓኪም ከይተላዘቡ ብኢደ ወነኖም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከካይዱ ከም ዘይብሎም ይምከሩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዝህቦ ረብሓ እናተፈልጠ ብምኻዱ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ 10 ሚልዮን ኣባላት ዝሓቚፋ ብዙሓት ክለባት ተመስሪተን ከም ዘለዋ ጸብጻባት የረድኡ። ኣብ ልዕሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዕለታዊ ማይ ብግቡእ ዓቐን ብምስታይ ኣካላዊ ጥዕና ክዕቀብ ከም ዝሕግዝ’ውን ክኢላታት የረድኡ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x