ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንምገቦም ዘለና መግብታት

ንግሆ ብግቡእ ቁርሲ ምብላዕ ንጥዕናና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እንተዀነ፡ ካብቶም ኣብ ግዜ ቁርሲ ክብልዑ ምቹኣት ዘይኮኑ መግብታት ካብ ምብላዕ፡ ከይቆረስካ ምውዓል ይምረጽ። ነቶም ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንበልዖም ዝግበኣና መግቢ ምምጋብ፡ ሓይሊ ክህበናን ካብ ብሰንኪ ጥምየት ዝመጹ ሕማማትን ኣብቲ ዝተረፈ ግዜ ዓቐን ዘይብሉ ካብ ምብላዕን ይከላኸለልና። እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንምገቦም ዝግበኣና ዝበለጹ መግብታት እዮም።

እንቋቚሖ፦

Free Egg Sandwich Egg photo and picture

እዚ፡ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንምገቦም ዘለና ምቁርን ንጥዕናና ምቹእን መግቢ’ዩ። ተመራመርቲ ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ግዜ ቁርሲ እንቛቚሖ ምዝውታር፡ ምሉእነት ናይ ምስማዕን ኣብ ግዜ ቀትሪ ካብ ንምገቦ መግብታት ንረኽቦ ዝያዳ ካሎሪ ኣብ ምጉዳልን ይሕግዙና። ብዘካ’ዚ መጠን ሽኮር ኣብ ደም ንምቁጽጻር ይሕግዝ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕታዊ ፈተነ፡ ሓደ ሰብ እንቋቚሖ ምስ ዝቖርስ፡ ዓጊቡ ክውዕልን ነቲ ድሒሩ ዘህልኾ መግቢ ከጉድልን ይሕግዞ። እንቋቚሖ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ኮውሊን ዝዓይነቱ መኣዛ ከም ምዃኑ፡ ንጥዕና ሓንጎልን ጸላም ከብድን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ርግኦ፦ ምቁርን ኣዐንጋልን መግቢ እዩ። ካብ ርግኦ ንረኽቦ ፕሮቲን ጥምየት ናይ ምስማዕ ተኽእሎና የጉድል፡ ካብ ስብሕን ካርቦሃይድሬትን ናይ ምክልኻል ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ድማ ይርከቦ። ርግኦን ካልኦት ፍርያት ጸባን፡ ንሚዛን ሰብነትና ንምቁቅጻር ይሕግዙና። ምኽንያቱ፡ ነቶም ነዝዒታት ናይ ነብስና ዕጋበት ስለ ዝውስኹ ብቐሊሉ ካብ ምጥማይን ብዙሕ መግቢ ካብ ምህላኽን የድሕኑና። ብተወሳኺ፡ ርግኦ ብዙሕ ትሕዝቶ ናይ ሊኖሊክ ኣሲድ ስለ ዝርከቦ መንሽሮ ጡብ ይከላኸል።

ቡን፦

Free Coffee Coffee Cup photo and picture

 እቲ ዝበለጸ ንግሆ ክንሰትዮ ዘለና ውዑይ መስተ እዩ። ቡን፡ ዝለዓለ ትሕዝቶ ናይ ካፌይን ስለዘለዎ ሓንጎልና ኣነቓቒሑ፡ ጥንቁቕን በሊሕን ዝኾነ ኣእምሮ ክንውንን ይሕግዘና። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ካፌይን መጠን መታቦሊክ ይውስኽን ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ስብሒ ክቃጸል ይሕግዝን። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብሩ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 100 ሚሊ ግራም ዝበጽሕ ካፌይን ምስ ነህልኽ፡ ክሳብ 150 ዝበጽሕ ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ካሎሪ ከነጥፍእ የኽእለና። ብተወሳኺ፡ ቡን ብኣንቲኦክሲዳንት ኣዝዩ ሃብታም ብምዃኑ፡ ሳዕቤን ሕማም ሽኮርን ጸላም ከብድን የጉድል። ፉል፦ ጥዑም፡ ዘዕግብ፡ ንጥዕናን ዕብየትን ነብስናን ኣዝዩ ኣድላዩ መግቢ እዩ። ወላ’ኳ ፉል ዝለዓለ ዓቐን ካሎሪ ይርከቦ እንተኾነ፡ ኣብዚ ዝርከብ ስብሒ ግን ኩሉ ናብ ኣካላትና ኣይሰሓብን እዩ። ፉል፡ ሕማም ሽኮር ኣብ ምጉዳልን ኮሎስትሮል ኣብ ምቁጽጻርን ይሕግዝ።

ቀጠልያ ቆጽሊ ሻሂ፦

Free Peppermint Peppermint Tea photo and picture

እቲ ጥዕና ዘለዎ ልስሉስ መስተ ካብ ኣቑጽልቲ’ዩ ዝርከብ። እዚ ቆጽሊ እዚ ትሕዝቶ ናይ ካፌይን ስለ ዝውንን ንቕሓትን ትኹረትን ይውስኽ። ቀጠልያ ቆጽሊ ሻሂ፡ ኣብ ሓንቲ ኩባያ ካብ 35-70 ሚሊግራም ዝበጽሕ ካፈይን ይውንን። እዚ ትሕዝቶ ኣብ ቡን ካብ ዝርከብ ካፈይን ፍርቂ ዓቀን ማለት’ዩ። ቀጠልያ ቆጽሊ ሻሂ፡ ምዝውታር ሕማም ሽኮር ንምጉዳል ኣዝዩ ጠቓሚ’ዩ። ነዊሕ እዋን ኣብ ዝወሰደ መጽናዕቲ፡ ቀጠልያ ቆጽሊ ሻሂ ምዝውታር መጠን ኢንሱሊን ኣብ ምትዕርራይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይርከቦ። ቀጠልያ ቆጽሊ ሻሂ ብዙሕ ጥዕናዊ ጥቕምታት ስለዝርከቦ፡ ንሓንጎልናን ናይ ነብስና ነርቭ ዝጠቅም ብ “ኢጂሲጂ” ዝፍለጥ ኣንቲኦክሲዳንትን ይውንን።

 

ፍሩታ፦

Free Fresh Fruits Bowls photo and picture

ምቁርን ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንምገቦ ዝግበኣና ጠቓሚ ዝኾነ መግቢን’ዩ። ኩሎም ዓይነት ፍሩታታት ቪታሚንን ፖታሽዩምን ይውንኑ። ‘ሲትሩስ’ ዝዓይነቶም ፍሩታታት ዝለዓለ ዓቐን ቪታሚን “ሲ” ይርከቦም። ፍሩታታት፡ ብዘለዎም ዓቐን ማይን ፋይበርን ኣዕገብቲ ብምዃኖም ኣብ ግዜ ቁርሲ ክብልዑ ተመረጽቲ እዮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x